ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 30 ሚልዮን በጺሑ

Published

ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 30 ሚልዮን በጺሑ።

እዚ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ቻይና ዝጀመረ ለበዳ፡ ዛጊት ልዕሊ 940 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

እተን ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውወን ሃገራት ብቅደም ተኸተል ኣሜሪካ፤ ህንድን፡ ብራዚልን ኮይነን፡ ኣብ ኣውሮጳ’ውን ደግሲ ለበዳ ይረአ ስለ ዘሎ፡ ሃገራት ናብ ዳግማይ ኣዋጅ እገዳታት እየን ዘምርሓ ዘለዋ።

ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ እስራኤል’ውን ደግሲ እዚ ለበዳ ስለዘጋጠማ ንካልኣይ ግዜ ምሉዕ ዕጽዋ ኣዊጃ ኣላ።

ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ክልከፍዋ እንከለዉ፡ ውሑድ መርመራታት ይካየድ ስለዘሎ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ እዚ ዝግለጽ ዘሎ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይዝረብ።

ኣብተን ዝያዳ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት እንታይ ይግበር ኣሎ?

ኣሜሪካ 6.6 ሚልዮን መልከፍትን 197 ሽሕ ሞትን ብምምዝጋብ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር’ያ።

ኣብታ ሃገር ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝረአ ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ብምዝማድ መጠን ሓዲሽ መልከፍቲ ይጎድል ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ህንዲ መጠን መልከፍቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ህንዲ ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ህንዲ ዝምዝገብ ዘሎ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣዝዩ ብዙሕ ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ሃገር ዘይተመዝገበ እዩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መዓልታዊ ልዕሊ 90 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ይምዝግብ ነይሩ።

ኣብ ህንዲ ዛጊት ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም መይቶም ኣለዉ።

ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዘላ ብራዚል ኮይና፡ ኣብታ ሃገር 4.4 ሚልዮን መልከፍትን 134 ሽሕ ሞትን ተመዝጊቡ’ሎ።

ፕረዚደንት ብራዚል ጃር ቦልሶናሮ ኣብ መጀመርታ እዚ ለበዳ ልሕሉሕ ኣተሓሕዛ ብምኽታሉን፡ ንምኽሪ ሰብ ሞይ ዕሽሽ ብምባሉ ሰባት ይእክብ ብምንባሩን ኣደዳ ነቐፌታ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ፕረዚደንት ንኮሮናቫይረስ ‘ንእሽተይ ሰዓል’ እናበለ’ዩ ዝጽውዖ።

ሃገራት ኣርጄንቲናን ሜክሲኮን’ውን ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ካብትን ብዙሕ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣርጄንቲና ብሓሙስ 13 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ብምምዝጋባ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 600 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ሃገራት ውሮጳ'ኸ ከመይ ኣለዋ?

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣህጉር ኣውሮጳ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከጋጥም ስለዝኽእል ሃገራት ጥንቃቐታት ከዛይዳ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 300 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ክምዝገብ ክኢሉ። እዚ ድማ ልዕሊ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝምዝገብ ዝነበረ ቁጽሪ ብምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን መልከፍትን ልዕሊ 228 ሽሕ ሞትን ተመዝጊቡ ኣሎ።

ክታበት ወይ መድሃኒት ናይ ምርካብ ተስፋታትከ ኣሎ'ዶ?

ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ኣተኣማማኒ መድሃኒት ወይ ክታብት ንምርካብ ከይደቀሳ’የን ዝሓድራ ዘለዋ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ክታብት ኮሮናቫይረስ ቅድሚ 3 ሕዳር ፕረዚደንታዊ መርጫ ኣሜሪካ ከምዝርከብ ብርእሰ ተኣማንነት ገሊጹ'ሎ።

ሩስያ’ውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክታብት ረኸበ ኣለኹ ብምባል ኣብ ውሽጢ ሃገራ ትጥቀመሉ ከምዝላ ገሊጻ እያ። ተመራመርቲ’ውን እቲ መድሃኒት ናይ ሰብ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጎልብት ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም’ዮም።

እንተኾነ፡ እቲ ክታበት ኣብ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ስለዝተፈተነ ብዛዕባ ድሕነትን ብቕዓትን እቲ መድሃኒት ምሉእ ስእሊ ክህብ ግዜ ከምዘድሊ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ክሳብ ኩሉ ፈተነታት ዝወደአ መድሃኒት ወይ ክታበት የለን፡ ገለ ተመራመርቲ እዚ ሕማም ፖሎቲካዊ መልክዕ ይሕዝ ስለዘሎ ስክፋታታቶም ብምግላጽ እዚ ከምዚ ዓይነት ድፍኢት ኣብ ምርካብ ክታበት ወይ መድሃኒት ኣሉታዊ ጽልዋ ከየኸትል ይገልጹ ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 150 ትካላት መድሃኒትን ክታበትን ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ምርምራት የካይዳ ኣለዋ።