እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሽዱሽተ ዝበዝሑ ሰባት ከይእከቡ ዝኽልክል ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መጠነ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ወሰኽ ስለዘርኣየ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ንላዕሊ ከይእከቡ ዘገድድ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
እዚ ሕጊ ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ካብ ገዛ ወጻኢ ምትእኽኻብ ከይገብሩ ዝኽልክል እዩ።
እንተኾነ እዚ ሕጊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ስነ-ስርዓት ቀብርን ንስፖርታዊ ግጥማትን ንዝሳተፉ ሰባት ኣይውክልን እዩ።
እቲ ሕጊ፡ ሰባት ተኣኪቦም እንተጸኒሖም 100 ፓውንድ ክቕጽዑ፡ ንትእዛዝ ፖሊስ እንተተቓዊሞም ድማ ክሳብ 3200 ፓውንድ ክቕጽዑ ዝእዝዝ ዓንቀጽ ኣስፊሩ’ሎ።
እዚ ካብ 14 መስከረም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓዲሽ ሕጊ ዝርዝራዊ ትሕዝትኡ መንግስቲ ክዝርግሕ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን’ውን ነዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣመልኪቱ ሎሚ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበር።
ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጠን መልከፍቲ ብናህሪ እዩ ክውስኽ ጸኒሑ፡ ካብ ሰንበት ንነጆ ጥራይ 8396 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ትማሊ ሰሉስ’ውን 2460 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ’ሎ።
ኣብዚ መጠን መልከፍቲ ብናህሪ ዝወሰኸሉ ሰሙን ሞት 32 ሰባት’ውን ተመዝጊቡ’ሎ፡ እንተኾነ እዚ ሞት ምስዚ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተራኣየ ናህሪ መልከፍቲ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ’ዩ ዝግለጽ።