እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክኽፈላ’የን
ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ማዕረ ደቂ ተባዕትዩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ እታ ሃገር ክኽፈላ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ብራዚል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እዘን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ ቅድመ ምድላው ጸወታ፡ ኣብ ጸወታን ዓወት ምስ ኣመዝገባን ማዕረ እቲ ንደቂ ተባዕትዩ ተጻወትቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝውሃቦም ደሞዝን ሞቅሽሽን ክውሃበን እዩ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ብራዚል ሮጀርዮ ካቦክሎ እቲ ውሳነ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ሮጀርዮ ካቦክሎ “ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ብራዚል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታና ማዕረ ከምዝኸፈሉ ገይርና ኣለና” ይብል።
ንሱ ብምስዓብ “ኣብ ብራዚል ካብ ሃገራዊት ጋንታ ጻውዒት ዝረኸበ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ማዕረ እዩ ዝኽፈል” ይብል።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ውን፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ጻውዒት ዝረኸበ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ደሞዞምን ሞቅሽሾምን ማዕረ ከምዝተገበረ ውሃቢ ቃል ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ይገልጽ።
ሮጀርዮ ካቦክሎ እዚ ማዕረ ዝኾነ ክፍሊት ኣብ ኦሎምፒክ ይኹን ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ብራዚላውያን [ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን] ኩሎም ማዕረ ከምዝኽፈሉ ድሕሪ ምግላጽ “ዝኾነ ኣፈላላይ የለን ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ብራዚል ንኹሉ ብማዕረ’ዩ ዝርኢ”ኢሉ።
ኣውስትራልያ፡ ኖርወይን ኒውዝላንድን እተን ነዚ ማዕረ ክፍሊት ኣቐዲመን ክኽተለኦ ዝጸንሓ ሃገራት እየን።
ደቂ ኣንስትዩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናበቫይረስ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ዝኾነ ዓይንት ግጥም ኣየካየዳን ዘለዋ።