ኮሮናቫይረስ፡ ኮቪድ-19 ዘተኣጓጎሎ ምርጫን ዘይሃድአ ፖለቲካ ኢትዮጵያን

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 እንተ ዘይናዋሕ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምተኻየደ ነይሩ። ገለ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ምንዋሕ እቲ ምርጫ ሕገመንግስታዊ ኣገባብ ዝተኸተለ ከምዘይኮነ ይገልጹ።
ብፍላይ ድማ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህውሓት: ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ንሕገመንግስቲ ዝጠሓሰ እዩ ክብል ይምጉት። ነቲ ምንዋሕ ብምቅዋም ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰኖ መሰረት ከኣ ኣብ ጳጉሜ 4 ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ምዝገባ መረጽቲ ተሳሊጡ'ሎ።
ብድሕሪ ምንዋሕ ምርጫ?
ሂሩት ክፍሌ ንማእሰርቲ ጋሻ ኣይኮነትን። እዛ ጓል 50 ዓመት ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ - ኢዜማ - ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ግዜ ተኣሲራ ነይራ እያ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ'ውን ምስ ሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ተጠርጢራ ን21 መዓልታተ ተኣሲራ ነይራ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ: ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወለዐን ብውሑዱ ህይወት 170 ሰባት ዝጠፍኣሉን ጎንጺ 'ኢድኪ ሓዊስኪ' ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒላ 21 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፋ።
"ቀትሪ ሰዓት 6 እዩ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢና ሪኢናዮም ዘይንፈልጥ ሰባት መጺኦም። ኩሉ ሰብ ተጠራጢሩ 'በዓል መን'ዮም?' ምስበለ ክርእይ ኢለ ወጺአ። ደሓር ግን ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ ደድሕረይ ብምምጻእ 'ፖሊሳት ኢና፤ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንሕቶ ደልዩኪ ኣሎ' ኢሎምኒ" ትብል ሂሩት።
ብድሕሪኡ ብሰለስተ ፖሊስ ተዓጂባ ከምእተወሰደት ብምዝኽኻር ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ምስ ጠበቓይ ይኹን ምስ ስድራይ ከይተራኸብኩ ብዘይ ቅያር ክዳን ንሰለስተ መዓልታት ጸኒሐ" ትብ።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስኣተወት ሓደ ጊዜ ጥራይ ምርመራ ከምዝተገበረላ፤ ኣብቶም ናይ መጀመርታ መዓልታት ካብ ቤተሰባ መግቢ ክኣትው ይፍቀደላ ከምዘይነበረ፤ ምስ ጠበቐኣ ክትራኸብ ከምዘይከኣለትን ቅያር ክዳን ከምዘይሓዘትን ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ሂሩት: ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝተኣሰሩ ኣሽሓት ሰባት ሓንቲ ኮይና፤ ብዝተገበረ ምጽራይ ድማ ካብ ሞንጎ ዝተፈትሑ ክትከውን በቒዓ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ምስ ተናወሐ፤ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንኽፍጠር ዕድል ዝህብ'ዩ ዝብል ተስፋ ካብ ዝነበሮም ሰባት ሓደ ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ዝነብር ተንታኒ ፖሎቲካን ጸጥታን ኣደም ካሴ (ዶ/ር) እዩ።
ኩነታት ግን ከም ትጽቢቶም ዘይምዃኑ ዝሕብር እቲ ተንታኒ ጸገማት ፖለቲካን ድሕንነትን ብተደጋጋሚ ጎሊሆም ክረኣዩ ምኽኣሎይ ይዛረብ።
"ቀደሙ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ገምገም እያ ጸኒሓ። ምንዋሕ ምርጫ ድማ ንሓደሽቲ ተቓወምቲ ውድባት (ሰልፍታት) ሓድሽ መካትዒ ዕድል ብምፍጣሩ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ፖለቲካን ድሕነትን ብዝበለጸ ክካረር ገይርዎ" ክብል የረድእ ኣደም።
ንሱ ምርጫ መዓዝ ይካየድ ኣብ ዝብል ንምውሳን ንፌደራል መንግስቲ ጥራይ ምሉእ መሰል ስለዝተወሃበ ነቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ወጥሪ ከምዘሰጋገሮ'ዩ ዝኣምን።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብልዎ፤ እቲ ቀንዲ ወጥሪ ኣብ ክልል ኦሮሞ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ክልል ዓሌታውን ሃይማኖታውን ምትፍናን ኣሎ። ብዙሕ ንብረት ድማ ብሓዊ ተቓጺሉ'ዩ።
ነዚ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩ። ኣባላቶም ዝተኣሰርዎም ገለ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ነቲ ዝነበረ ዕግርግር ኣሳቢቡ ሓይሎም ንምድኻም ከምዝተጠቐመሉ ይገልጹ።
ሓላፊ ውድብ ፖለቲካ ፈደራል ኮንጌረስ ኦሮሞ - ኦፊኮ - ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና እቲ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ ንዝኾነ ኣካል ከርብሕ ከምዘይክእል ይዛረቡ።"እቲ ቀንዲ ነገር ኣብዛ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ምፍጣር እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ እቲ ሕዚ ዝኽየድ ዘሎ መንገዲ ንኹልና ዝጠቅም ኣይኮነን። ነቶም ሰባት ምእሳር ብመናእሰይ ኦሮሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስለንን። ንተቓወምቲ ጨፍሊቕካ ንምሓዝ ዝተገበረ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ይብሉ።
ኣብ ስልጣን ንዘለዉ ኣካላት'ውን እዚ ርእይቶኦም ከምዘካፈሉ ዝሕብሩ ፕሮፌሰር መረራ፤ "ጸገምና ፖለቲካዊ እዩ። መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ግን 'ልዕልና ሕጊ' ዝብል እዩ። ጸገምና ጉዳይ ልዕልና ሕጊ ኣይነበረን። ብፍላይ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ዕውት ንምግባር ዝነበረ ተስፋ ምፍሻሉ ዋጋ ክንኸፍል ይገብረና ኣሎ" ክብሉ የረድኡ።
ዝተኣሰሩ ሰባት ንነዊሕ እዋን ክሲ ከይተመስረቶም ምጽንሑን ዓቀብቲ ሕጊ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎም 'ተወሳኺ መዓልቲ ቆጸሮ ይወሃበና' ብዝብሉ ሕቶታትን መስርሕ ፍርዲ ብምንውሑ መንግስቲ ዝንቀፈሉ ጉዳይ እዩ።
ነዚ ብዝምልከት ሕቶ ዝቐረበሉ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክሬታሪ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝለኣኾ መልሲ፤ 'እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ስፍሓትን ዕምቆትን ስለዘለዎ' ንምጽራይ ግዜ ከምዝወስድ ሓቢሩ'ሎ።
"ሕጊ ኣብ ምኽባር ዝሰርሑ ትካላትና ብልዑል ጻዕሪን ትግሃትን ነቲ መስርሕ ምጽራይ እናዛዘሙ እዮም" ዝብል እቲ ቤት ጽሕፈት፤ ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ክካየድ ዝጸንሐ ምርመራ ተዛዚሙ መስርሕ መጋባእያ ቅድመ-ክሲ ከምዝተጀመረ ገሊጹ።

ሕዚ'ኸ?
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እውን ካብ ፖለቲካዊ ወጥርታት ዝተናገፈት ኣይትመስልን። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት'ኳ ኣብቲ ክልል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተራእዮም'ዮም።
ብምኽንያት እቲ ዝተወለዐ ጎንጺ ከኣ ሰባት ተቐቲሎምን ንኣካላዊ መጉዳእቲ ተቓሊዖምን።
ንዝተጠርጠረትሉ ገበን ከምዘይትቕበል እትዛረብ ኣደ ሰለስተ ቖልዑት ሂሩት ክፍሌ ብተደጋጋሚ እትእሰረሎም ምኽንያታት ምስ ፖለቲካዊ መርገጺኣ ዝተሓሓዙ ከምዝኾኑ ትኣምን።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስመጽአ ወግዓዊ ንዝተገበሩ መመሓየሺ ስጉምቲታት ምስረኣየት፤ 'ካብ ሎሚ ማእሰርቲ የለን' ክትብል ሓሲባ ምንባራ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን "ብዙሕ ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ክትብል ስክፍትኣ ገሊጻ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
