ንቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ ልዕሊ 166 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ድሕሪ ሞት ስሙይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተላዕለ ናዕብን ተቓውሞታትን 166 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ፖሊስ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሃጫሉ፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገላን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ድሕሪ ምቕታሉ፡ 145 ስቪላትን 11 ኣባላት ጸጥታን ከምዝተቐተሉ፡ ፖሊስ ኦሮሚያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምግላጹ ጠቒሱ ዘጋርድያን ጸብጺቡ’ሎ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኣስታት 167 ሰባት ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎም እዩ ኢሉ።
ምስቲ ናዕብን ተቓውሞታትን ብዝተኣሳሰር 1084 ሰባት ከምዝተኣሰሩ’ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሰብመዚ ከምዝብልዎ፡ መንቀሊ ሞት ናይዞም ሰባት ብሓይልተት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይትን ከምኡ ድማ ኣብ ብመንጎ ብሄራት ብዘጋጠመ ጎንጽን እዩ።
ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ሾሞንተ ስቪላውያንን ክልተ ኣባላት ጸጥታን ህይወት ከምዝሓለፈ ፖሊስ ናይታ ከተማ ምግላጹ ይፍለጥ።
ኮሞሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህይወት ናይቶም ነበርቲ ብቦምባ፣ ጥይት እምንን ካልእን ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣስታት 57 ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ጉድኣት በጺሕዎም እዩ።
ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን ዝኾና 250 ተሸከርከርቲ ድማ ተሰይረን። 20 ተሽከርከርቲ ድማ ተባሪዐን ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
