ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ፡ ዛጊድ 81 ሰባት ተቐቲሎም

ቅትለት ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ተቓውሞታት ቀጺሎም ውዒሎም። ዛጊድ ድማ 81 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኦሮምያ ኣረጋጊጹ።
ኮሚሽነር ጄኔራል፡ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣማሲኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስን 78 ንጹሃት ሰባትን ብጠቕላላ 81 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።
እቶም ሸውዓተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ተቀቲሎም።
ውሃቢ ቃል ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ቅድም ከብል ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ሞይቶም።
ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቆሰሉ’ውን ኣይተ ጌታቸው ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ዝተቐትሉ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰልፈኛታትን፡ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታን ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ንግዲ ትካላትን ቤት ዕዮ መንግስትን ከምዝተቓጸሉ'ውን እቲ ውሃቢ ቃል ተዛሪቡ።
ኣይተ ጌታቸው ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ነዚ ኣይተዳለውናን ነይርና” ክብል ተዛሪቡ።
ቀብሪ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ጽባሕ ኣብ ኣምቦ ከምዝፍጸም ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኦሮሚያ ዝተልዓለ ናዕብታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣምቦ ድማ ወጥሪ ነጊሱ እዩ ዘሎ።
ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ተቓውሞታት ተወሊዖም።
ትማሊ ሮቡዕ፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ሓሙሽተ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ኣብ ከተማ ጪሮ ብጥይት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ ነይሩ።
እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ 'ገላን ኮንዶሚንየም' ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ቅትለት እቲ ደራፋይ ተታሒዙ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
