ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብ እዋን ጎስጓስ ዝተለገሰ ገንዘብ ክሕተት እዩ

Published

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብ እዋን ጎስጓስ ዝተለገሰ ሰልዲ ንኽሕተት ናብ መርመራ ክቀርብ እዩ።

ሰብ መዚ ገዛኢ ሰልፊ ደቡብ ኣፈሪቃ ፕረዚደንት እታ ሃገር ስሪል ራማፎዛ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዋን ጎስጓስ መረጻ ዝተለገሰ ገንዘብ ብዝምልከት ሕቶታት ንኽምልስ ናብ ኮምሽን ሓቅን ርትዕን ከምዝቐርብ ገሊጾም።

እንተኾነ ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ኣባላት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ [ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ] ዝኾነት ጀሲ ዱራት፡ እቲ ፕረዚደንት ምዓስ ቆጸራ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣይገለጸትን።

ኮምሽን ጸረ ብልሽውና ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዋን ጎስጓስ መረጻ 2017 ዝተቐበሎ ኣስታት 36 ሽሕ ዶላር ባይቶ ምስ ሓተቶ ተዛባዒ መልሲ ከምዝሃበ እዩ ዝገልጽ።

ራማፎዛ፡ እቲ ሰልዲ ኣብ ኣዋን ጎስጓስ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ኤኤንሲ [ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ] ዝተወሃበ ምዃኑ እዩ ገሊጹ ነይሩ።

ካብ ጃኮብ ጁማ መሪሕነት ዝተቐበለ ስሪል ራማፎዛ፡ ፖሎቲካዊ ኩነታተ እታ ሃገር ከረጋግእ ቃል ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ኣብ ተግበር ግን ዝሰልጦ ዘሎ ኣይመስልን።