ዝዓበየ ባንኪ ኤወሮጳ፡ 35 ሽሕ ስራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክንኪ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Published

ብሰንኪ ጽልዋ ኮሮናቫይረስ፡ ዝዓበየ ባንኪ ኣወሮጳ 35 ሽሕ ስራሕተኛታት ንምቕናስ ዝሓዞ ትልሚ ክትግብሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዝዓበየ ባንኪ ኣውሮጳ ኤች-ኤስ-ቢ-ሲ፡ ዝረኽቦ መኽሰብ ብምውራዱ ነቶም ስራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክንክዮም ከመዝተገደደ ገሊጹ።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተለቃሕቲ ከምልስዎ ዘይክእሉ ገንዘብ እቲ ባንኪ 13 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል እውን እቲ ባንኪ ሓቢሩ።

ካብ መፈለምታ እዚ ዓመት ኣውሮጳ ጀሚሩ ሃዋህው ስራሕ እቲ ትካል ከምዝተቐየረ ዝገልጽ ሓላፊ እቲ ባንኪ ኖዌል ኲን፡ እቲ ባንኪ ነቲ ቅድም ኢሉ ዝሓዞ መደብ ምንካይ ስራሕተኛታት ከቀላጥፎ ምዃኑን ካልኦት ሰጉምቲታት እውን ከምዝወሰድን ተዛሪቡ።

ዝዓበየ ባንኪ ኣውሮጳ ኤችኤስቢሲ፡ ንፈለማ እዋን፡ ናይ ፍርቂ ዓመት ቅድሚ ግብሪ ትርፉ ብ65 ምኢታዊት ከምዝነከየ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ባንኪ ካብ ጠቕላላ 235 ሽሕ ስራሕተኛታቱ፡ ነቶም 35 ሽሕ ንምቕናስ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝውጸኦ መደብ ኣናዊሕዎ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘለዎ ንጥፈታት ክንኪ ይሓስብ ከምዘሎ ኣቦመንበር እቲ ባንኪ ማርክ ታከር ተዛሪቡ።

ልዕሊ ፍርቂ መኽሰቡ ማእከል ፋይናንሳዊ ምንቅስቓሳት እስያ ካብ ዝኾነት ሆንግ ኮንግ ዝረክብ ኤችኤስቢሲ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራባውያንን ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ፡፡