ብራዚል፡ ክሳድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ረጊጹ ደው ዝበለ ፖሊስ ተግባሩ ቁጠዐ ፈጢሩ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ሓደ ኣባል ፖሊስ ብራዚል ንኽሳድ ሓንቲ ጸላም ጓልኣንስተይቲ ረጊጹ ዘርእይ ምስሉ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ምስ ቀረበ ንሱን ካልእ ምስኡ ዝነበረ ፖሊስን ተኸሲሶም።

እቲ ተግባር ኣብ ከተማ ሳኦ ፖሎ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እታ ክሳዳ ዝተረገጸትን ደሓር ድማ ኣእዳዋ ተኣሲራ ኣብ መሬት ዝተደብረየት ውልቀሰብ ወናኒት ንኡሽቶ እንዳመስተ ምዃና ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከም ዝተፈጸመ ዝተገለጸ ተግባር ብሓደ ሓላፊ መገዲ እዩ ቪድዮ ተቐዲሑ።

ንኸምዚኦም ዝበሉ ጥቕዓታት ምጽዋር ከም ዘይከኣል ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ሳኦ ፖሎ ጆኦ ዶሪያ እቶም ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ከም ዝተሰጎጉ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ 2,000 ኣባላት ፖሊስ እታ ከተማ ድማ ኣብ ክዳኖም ካሜራታት ክግጠም ከም ዝግበር ወሲኹ ገሊጹ።

ነቲ ፍጻመ ዘርእይ ቪድዮ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣቢሉ ኣብ ተሌቪዥን ፋንታስቲኮ ከም ዝተዘርግሐ ተፈሊጡ።

እቲ ተግባር ኣብ ምሉእ ብራዚል ቁጠዐ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ብሓደ ኣባል ፖሊስ ዝተፈጸመ ቅትለት ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ ዘተኣሳስርዎ ኣይተስኣኑን።

ጸዕዳ ፖሊስ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ረጊጹ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን እቲ ጸሊም ኣሜሪካዊ ከተንፍስ ከም ዘይከኣለ ደጋጊሙ እናለመኖ ተራእዩ ነይሩ።

በቲ ተግባር ህይወቱ ብምሕላፉ ከኣ ኣብ ኣሜሪካን ምሉእ ዓለምን ሓያል ቁጠዐ ከም ዝፈጠረ ይዝከር።