እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚነስትር ሱዳን ‘ለውጢ ኣጓቲቶም’ ንዝበሎም 4 ሚኒስተራት ኣባሪሩ
Published
ኣብቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ መናእሰይ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር በቲ ተጀሚሩ ዝተብሃለ ለውጢ ዕጉባት ዘይምዃኖም ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞታት ኣስሚዖም ነይሮም።
ድሕሪ’ዚ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ነቲ ለውጢ ኣጓቲቶም ኢሉ ዝሓመዮም ኣርባዕተ ቀንዲ ሚኒስትራት ሰጒጉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሚኒስተር ጥዕና ከባርሮ እንከሎ፡ ካብ ሚኒስተራት ፋይናንስ፣ ጉዳያት ወጻኢን፡ ጸዓት (ኢነርጂ)ን ድማ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ተቐቢሉ ኣሎ።
እታ ሃገር ኣብዚ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ኾይና፡ ቁጠባኣ ቅድም ኢሉ’ውን ኣንቆልቊሉ እዩ ጸኒሑ ይብሉ ተዓዘብቲ።
ነቲ ናይ መሰጋገሪ ጥምረት መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት’ውን ንላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስን ምኽትሉን ኣባሪሩ እዩ።
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑማር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ እነሆ ሓደ ዓመት ኮይንዎ’ሎ።