እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ 169 ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ
ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ 2192 ምርመራታት ኣካይዳ፡ 169 ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበት ገሊጻ።
ካብኣቶም እቶም 148 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።
ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ካብ ዝጸንሑ ሰባት ድማ፡ ተወሰኽቲ 185 ሰባት ከምዝሓወዩ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዛጊት ካብ’ቲ ሕማም ዝሓወዩ ሰባት፡ 3018 በጺሑ’ሎ።
ካብቶም ኣብቲ ዕለት ዝተገለጹ ምርመራታት፡ እቶም 40 ኣብ ሬሳ ዝተገበሩ ምርመራታት ኮይኖም፡ እቶ ምክልተ በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ካብቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ተሓከምቲ ድማ፡ 28 ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ከምዘለዉ፡ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ዛጊድ ኣብ ኢትዮጵያ 260,582 ምርመራታት ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ድማ 6386 ሰባት እዮም።
ካብዞም በቲ ሕማ ምዝተለኸፉ ድማ፡ ዳርጋ ፍርቂ ከምዝሓወዩ፡ እቲ መግለጺ የብርህ።
ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ክንርእይ እንከለና ድማ፡ ናይ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ዛጊድ ኣብ ምሉእ ዓለ ምበዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ናይ ዝተረጋገጸ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 11 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ።
በዚ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ 11,267,309 ክኸውን ከሎ፡ ብዝሒ ኣብ ዓለምና ዝሞቱ ሰባት ድማ ልዕሊ 530,754 ኮይኑ’ሎ።
ብብዝሒ መልከፍቲ ኮነ፡ ብዝሒ ሞት ክረኣይ ከሎ፡ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር ኣመሪካ እያ። ኣብታ ሃገር፡ ዛጊት 2,839,436 ሰባት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ካብኣቶም እቶም 129,676 ሞይቶም እዮም።
ብራዚል ድማ እታ ካልኣይቲ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር እያ።