ግድብ ሕዳሰ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝርርብ ከምብሓድሽ ተጀሚሩ

Published

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረን ተቛሪጹ ዝጸንሐን ዝርርብ ከም ብሓድሽ ከም ዝተጀመረ ተፈሊጡ።

እቲ ልዝብ ትማሊ ዓርቢ፡ ብመንጎኝነት ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ማይን መስኖን ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ ዙርያ ዝርርብ ትማሊ ናይ ምሸት ከም ዝጀመረን፡ ሎሚ ቀዳም’ውን ቀጺሉ ከም ዝወዓለን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከምዘለዉን፡ ንሰለስተ ሰሙን ከየቋረጸ ክቕጽል ምዃኑን ገሊጹ።

ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ምቁራጽ ዘተ ዘብጸሐ ቴክኒካዊ ጉዳይ ምምላእ ማይ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ናይቲ ግድብ ክሰማምዓ’ኳ እንተኸኣላ፡ ኣብ መቓን ግዜ ምምላእ ማይ ዓቢ ፍልልይ ፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ናይ ሕጂ ዘተ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት ይካየድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባታት’ውን ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን፡ እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምሪሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ከም ዝተዘርበሉ ይዝከር።

እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምምርሑ ባህ ዘይበላ ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ዝፈጥሮ ጸቕጢ የለን ብሃሊት’ያ።

ግብጽን ሱዳንን፡ ስምምዕ ክሳብ ዝግበር ማይ ምምላእ ክጅመር የብሉን ክብላ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምምላእ ክትጅምር ምዃናን፡ እቲ ዝተረፈ ህንጸት ናይቲ ግድብ ማዕረ-ማዕሪኡ ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጣ’ላ።

እቲ ምስሕሓብ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበን፡ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎን ይግለጽ።