ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ሓይልታት ጸጥታ ኣትያ ሰ

Published

ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ቅድሚ’ቲ ጽባሕ ሰሉስ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣትያ ከም ዘላ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ፡ ከም ድልድላት ዝበሉ ኣገደስቲ ቦታታት ብምቁጽጻር፡ ትካላት ንግድን ዕዳጋታትን ክዕጸዉ ኣዚዞም ኣለዉ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንስርዓት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝመርሐ፡ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ህዝቢ፡ እቶም ኣብቲ ናይ ሽዑ ናዕብታት ዝተቐትሉ ብጾቶም ፍትሒ ክረኽቡ ንምጥላብ ጽባሕ ተቓውሞታቱ ከስምዕ ጸዊዑ’ሎ።

ጸጋታትን ሃብትን ሱዳን ብኢድ ሲቪላውያን ክመሓድር ዝብል ጠለብ ከምዘለዎም’ውን እቶም ወደብቲ ገሊጾም።

እቲ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት መግብን፡ ምቁራጽ ድጎማ ነዳዲን፡ ህዝባዊ ደገፍ እናስኣነ ይመጽእ ኣሎ።

ነቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝመርሕ ዘሎ ሰራዊት’ታ ሃገር፡ ፍርቂ ስልጣን መንግስቲ ተመቓሪሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።