ምርጫ ማላዊ፡ ፕረዚደንት ሙታሪካ ከም ዝተሳዕረ ምእማን ኣብዩ

Published

ዋላ’ኳ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር፡ ገና ውጺት እንተዘይገለጸ፡ ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ደድሕሪ ቀንዲ መቀናቕንቱ ዝኾነ ላዛረስ ቻክዌራ ይስዕብ ምህላዉ ኣቒሞም ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

ሙታሪካ፡ ኣብዚ ዝድገም ዘሎ ምርጫ፡ ሰዓርን ተሰዓርን ኣይተረኽበን ብምባል፡ ከምዘይተሳዕረ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ምርጫ ኣብ ጎኑ ዝወዳደር ዘሎ፡ ኣቱፒለ ሙሉዚ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት፡ ደገፍቱ ነቲ ብማዕከናት ዜና ዝቃላሕ ዘሎ ስዕረቱ፡ ዕሽሽ ክብልዎን፡ ንወግዓዊ መግለጺ ኮሚሽን ምርጫ ክጽበዩን ጸዊዑ’ሎ።

ኣቱፒለ ሙሉዚ፡ ወዲ ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ባኪሊ ሙሉዚ ኮይኑ፡ መራሒ ናይቲ ብስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ዝፍለጥ ንእሽቶ ሰልፊ እዩ።

ብሰብመዚን ምርጫን ወከልቲ ሰልፍታትን ዝተረጋገጸ ውጽኢት ናይ 28 ናይ ምርጫ ካባቢታት (ወረዳታት) ከም ዘመልክቶ፡ መራሒ ተቓዋሚ ምሕዝነት ሰልፍታት ዝኾነ ቻክዌራ ይመርሕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሙታሪካ፡ ኣብቲ ብትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተሰረዘ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ነይርዎ ተባሂሉ’ዩ ከም ብሓድሽ ዝካየድ ዘሎ።