እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ኢትዮጵያ ንዘለዉ ሰባት 6000 መጻሕፍቲ ተለጊሱ
ኤጀንሲ ሃገራዊ ቤተ-መዛግብትን መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ካብ ዘዳለዎም መጽሕፍቲ፡ ከባቢ 1500 ንሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣረኪቡ።
ብዛዕባ'ዚ መብርሂ ንክህበና ዘዘራረብናዮ ኣብቲ ኤጀንሲ ዳይሬክተር ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣቶ ያሬድ ተፈራ፡ ዕላማ እቲ ወፈያ ባህሊ ንባብ ንምዕቃብ ከምዝኾነ ገሊፁ።
"ኣብዚ እዋን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝበዝሕ ንሕና እንህቦ ኣገልግሎት ቤተ-መጻሕፍቲ ስለዝተዓጸወ፡ ባህሊ ምንባብ ግና ብኸመይ ክሰፍሕ ክንገብር ንኽእል ኣብ ዝብል እናሰራሕና ንርከብ። ነዚ ኣመልኪትና ብተሌቪዥን እንሰርሖ ስራሕ ኣሎ" ኢሉ።
ደረስቲ ቀሪቦም ዝተወሰነ ጽሑፋት ከንብቡ ብምግባር፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዘለውዎም መጻሕፍቲ ንከንብቡ ጓስጓስ የካይዱ ምህላዎም ሓቢሩ።
"ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝርከቡ ሰባት ካብ ምንቅስቓስ ተገዲቦም ኣብ ዘሕልፍዎ ግዘ፡ መጻሕፍቲ ብምንባብ ፍልጠቶም ከበርኹ፣ ክዘናግዑን ካብ ዘለዉሉ ስምዒት ንክወጽኡን ዝተወጠነ ሓሳብ'ዩ" ኢሉ።
እቶም መጻሕፍቲ መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተጽሓፉን ዝተሓተሙን ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ስነ-ልቦና፣ ታሪኽ፣ ልቦለድን ካልኦትን ትሕዝቶታት መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፁ።
ትማሊ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከባ ማእኸላት መወሸቢ ጥራሕ፡ ከባቢ 1500 መጻሕፍቲ ከምዝተወሃበ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀጻሊ ናብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ማእኸላት መወሸቢ ከምዝባጻሕ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም መጻሕፍቲ ኣብቶም ማእኸላት ንዝተወሸቡ ሰባት'ዮም ክዕደሉ።
"እቶም ሰባት ኣብቲ መወሸቢ ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቶም መጻሕፍቲ ኣንቢቦም፤ ካብቲ ማእኸል ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን፡ ነቲ መጽሓፍ ሒዞም ክኸዱ ኢና ሓሲብና ዘለና። ኣብቶም መጻሕፍቲ ዘስፈርናዮም መልእኽታት ኣለዉ" ክብል ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ ከኣ "እቶም ሰባት ኣብኡ ኮይኖም መጻሕፍቲ እናንበቡ ብዛዕባ ንሕና ንሰርሖ ስራሕ ክሓስቡን፡ ምስወጽኡ ድማ ንስድርኦምን ማሕበረሰቦምን ብዛዕባ ንባብ ንከዘኻኽሩን ኢና መልእኽቲ ጽሒፍናሎም ዘለና። ምናልባት ከኣ ኣብቲ መወሸቢ ማእኸል ክጸንሑ እንተኾይኖም፡ እቲ መጽሓፍ ናብ ካልእ ከይተሰጋገረ ክእለይ ዝግብር'ዩ" ኢሉ።
ከምኡ ዝግበረሉ ምኽንያት ድማ፡ በቶም መጽሕፍትን ወረቓቕትን ኣቢሉ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ክመሓላለፍ የብሉን፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኤጀንሲ ሃገራዊ ቤተ-መዛግብትን መጻሕፍትን ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 6000 መጻሕፍቲ ንሚንስትሪ ጥዕና ይለግስ'ምበር፡ ብቐጻሊ ግና ንዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ተወሰኽቲ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ፡ ዳይሬክተር ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣቶ ያሬድ ይዛረብ።
"ነዚ ከም መበገሲ ኢና ሓሲብናዮ። ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ንብዙሓት ኣተሓባቢርና ክንሰርሓሉ ንኽእል ዓቕሚ ኣለና። ከምኡ ንምግባር ትልሚ ሒዝና ኢና። ግና ብቐጻሊ ኣብ ዝህልው ኩነታት'ዩ ዝውሰን። እዞም መጽሕፍቲ ንሕጂ ዝተዳለውናሎም'ዮም፤ ብወገንና ዘሎ ሓሳብ ግና ብኸምዚ ዝቕጽለሉ ኩነታት ክህልው ዝብል'ዩ" ክብል ሓቢሩ።
ኣብዚ ከቢድ እዋን ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ስለዝተገደዱ፡ መጻሕፍቲ ብምንባብ ፍልጠት እናሸመቱ ዝሓልፍ ግዘ ክህልዎም ከምዝግባእ፡ እቲ ዳይሬክተር ኣዘኻኺሩ።