እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ፡ ክልተ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ ኣብ ገምራውን ወካሊ ቅምሶን መርመራታት ድሕሪ ምግባር እቲ ቫይረስ ኣብ ክልተ ሰባት ከም ዝተረኸበ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሓቢሩ።
እቲ መርመራታት ትማሊ ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ ኣብ 4659 ስድራቤታት መርመራ ከም ዝተገብረን፡ 4658 ስድራቤታ ናጻ ከም ዝኾናን ሓቢሩ።
ካብቶም ተሳተፍቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፈት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ በዓል ቤታ'ውን መርመራ ተኻይድሉ ተሰካሚ ናይቲ ቫይረስ ኮይኑ ከምዝጸንሐ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ምስዛ ውልቀ ሰብ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም 13 ሰባት ከም ዝተወሸቡን'ውን ተገሊጹ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ሓደ ሰብ ካብ ሓንቲ ስድራ-ቤት ከምዝተመርመረ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
መግለጺ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ ነቲ ለበዳ ናይ ምምካት ቃልሲ ኣብ ፈለማ መድረኽ ከም ዘሎ ብምሕባር እቲ ዝተኻየደ መርመራታት ኣብ ኣስመራ ጥራይ ምንባሩን ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ከተማታት'ውን ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ በረራታት ደኣ ይረርጽ'ምበር ብመሬትን ብባሕርን ዝግበር ምንቅስቃሳት ገና ስለ ዘየቋረጸ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ 81 መወሸቢ ማእከላት 5270 ክውሽቡ እንከለዉ ካብዚኦም 3477 ካብ ማእከል መወሻቢ ተፋንዮም።
ካልኦት 1793 ግና ኣብ መወሸቢ ማእከላት ከም ዝርከቡ ይሕብር።
ኤርትራ፡ ብ21 መጋቢት 2020 እያ ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ረኺባ።
ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።
እቶም ዝተለኸፉ 39 ሰባት ክሳብ 15 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ብምልኦም ስለዝሓወዩ ኤርትራ ዝኾነ ተሓካሚ ኮሮናቫይረስ ኣይጸንሓን።
እቲ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብ 2 ሚያዝያ 2020 ምሉእ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ጸኒሑ ከም ዘናውሖ ይዝከር።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺ ግን እቲ እገዳተት "እናፈኾሰ" ክኸይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ሕጂ እውን እቲ ኩነታት ምዝናይ ዘየድልዮ፡ ዕቱብ ጥንቃቐን ትኩርነት ዝሓትት እዩ። ክሳብ'ቲ ዝድለ ገምጋምን ሜማን ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጺኒዖም ዝጸንሑ ምምርሒታት ብደፋእታ እናፈኾሱ ከምዝኸዱ ኪግበር'ዩ።"
ስለዚ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ 41 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም 39 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ኣቀዲሞም ነናብ ቤቶም ዝተፋነዉ እዮም።