መንግስቲ ትግራይ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል ክንደየናይ ኣተግቢርዎ?

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ'ውን ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ሕብረተሰብ ልሙድ ዝኾነ ህይወቱ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ኣብቲ ክልል ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ክልተ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና እዮም።

ኣብ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናይ ጥዕና ግብረ ሓይሊን ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕን ንዝኾኑ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ዞባ ምዕራብ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ማይ ካድራ ክልተ ሰብሞያ ጥዕና ብሰንኪ ሕፅረት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ንምዃኑ ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እዚ ትፈልጥዎ'ዶ?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ ፡ ከምዝተለኸፉ ንፈልጦ ኢና። ግና መጀመርታ ሓደገኛ ቦታ ክንፈሊ ከለና፡ ካብ ሱዳን ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። ኣብ መጀመርያ ከባቢ ናይ ሱዳን ቁፅሪ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ፡ ከመይ ገይርና ኢና መወሸቢ ክንፈጥር ዘለና ኣብ ዝብል፡ እዞም ሰብሞያ ጥዕና የተሓባብሩ ነይሮም እዮም። ካብኣቶም ዝመፅኡ ደሓር ብምርመራ ዝተረጋገፀ፡ እቲ ሕማም ዝተረኸቦም ሰብሞያ ጥዕና ነይሮም እዮም። ኣብኦም ጥራሕ ኣይኮናን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ገይርና፤ ኣብ ኩሎም ሆስፒታላት ንዝሰርሑ ሰብሞያጥዕና፣ ኣብ ሃንደበታዊ ሓሚሞም ዝደቀሱ ምስዚ ሕማም ዝመሳሰል ምልክታት ዘለዎም፡ ኣብነታዊ ቅምሶ ወሲድና ምርምራ ክግበር እዩ ተገይሩ። ካብዞም ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ድማ ሰብሞያ ጥዕና እዮም። እዞም ሰብሞያ ጥዕና፡ እቶም ዝመፅኡ ሰባት ምስወሸቡ፡ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ሰኣን ምግባሮም እዮም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።

ቢቢሲ፡ እንታይ ማለት'ዩ ሰኣን ጥንቃቕ ምግባር?

ኣይተ መንግሽ፡ ሕዚ ኣነ ኣብ መወሸቢ ንዘሎ ሰብ ምኽርን ግልጋሎትን ክህብ እንከለኹ፡ እንታይ እየ ክገብር ዝግበአኒ? እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ገይረ እየ፡ ክሰርሖ ዝግበአኒ? ጥንቃቐ ንብሎም ነገራት ንሳቶም እዮም፤ ኣድለይቲ ናውቲ ብዘይ ምጥቃም ማለት እዩ።

ቢቢሲ፡ እቶም ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰብሞያ ጥዕና ፡ ሓደ 'N 95' መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ንክጥቀሙ እዮም ተገዲዶም። ኣብ ማእኸላት መወሸቢ ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና እኹል ናውቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ኣይተማልአሎምን። እዚ ንምንታይ?

ኣይተ መንግሽ፡ 'N 95' ኣቐዲምና ንሰብሞያ ብምሃብ ሕድሕድ ወረዳታትን ሆስፒታላትን ድማ፡ ኣብ ትካሎም ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ብቀዳምነት ንክህብዎም ን ንሱ እውን ጥንቃቐ ገይሮም ንክጥቀምሉ ኢና፡ ከም ቢሮ ኣንፈት ንህብ። ስለዚ እቲ ኤን 95 ማስክ ዘፍረዮ ፋብሪካ ዘውፅኦ ንጥቀመሉ ግዘ ገደብ፡ ብዘውፅኦ መምርሒ ኢና ንኸይድ።

ንሕና ከም ቢሮ ግና፡ ክልተ ወርሒ ሙሉእ ግድን ክትጥቀምሉ ኣለኩም ዝብል መመርሒ የብልናን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 41 በፂሖም ኣለዉ። ሰብሞያ እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ እንተድኣ ዝጥቀምሉ ኮይኖም፡ ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝተወደበ መሓውር የለን ድዩ? ኣይትቆፃፀርዎምን?

ኣይተ መንግሽ፡ ፅቡቕ፡ ንሕና እቲ ዝበልክዮ፡ ናይ ጥዕና ስርዓትና፡ ንምንታይ እዮም 40 በፂሖም? ዝብል ኩሎም እዚ ሕማም ኣለዎም ካብ ዝበሃሉ ከባቢ ናባና ዝኣተወ እዩ። ኣብ ማይ ካድራ ዘለዉ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ኣብ ማይ ካድራ ዝነብሩ ዘይኮኑስ፡ ካብ ሱዳን ዝመፅኡ እዮም። ስለዚ ኣታዊ ዝኾኑ ረኽስታት እዮም። እዚ ዝተረኸበ ድማ እቲ ናይ ፈተሻ ስርዓትና ጥንኩር ብምዃኑ እዩ። ሰብሞያና ናብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጥዕና ፀገም ከይኣትዉ ግና፡ ከም ቢሮ ሓላፍነት ኣለና፤ ጉድለት እንተልዩ'ውን ምስትኽኻል ንኽእል ኢና።

ቢቢሲ፡ ግና እኮ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ናብ ግንባር ክትልእኽ እንተኾይንካ፡ እኹል ዝበሃል መከላኸሊ ናውቲ ኣዕጢቅካ እዩ። እዚ ኣይተገበረን። ኣብ ዞባ ምዕራብ ድማ ልዑል ዝኾነ ስግኣት ኣሎ። ብፍላይ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ማይካድራ፡ ኣብ ሞንጎ ተወሸብቲ ምትሕውዋስ ኣሎ፣ እኹል ዝኾነ ማእኸል መወሸቢ የለን። ተወሸብቲ ተሓዋዊሶም ኣብ ደገ ኮፍ ዝብልሉ፣ ሓቢሮም ኩዕሶ ዝፃወትሉ፣ ህፃውንቲ ቆልዑ ናብቲ ማእኸል መወሸቢ ብምእታው፡ ንተወሸብቲ ማይ ከምፅእሎም ዝለኣኽሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ እንከሎ፡ ከመይ ገይርኩም ንሰርሕ ኣለና ትብሉ?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ ። ግና፡ ጥዕና ቢሮ ጥራሕ ኣይኮነን ዝምልከቶ። ካብ ዞባ ምምሕዳር ጀሚሩ ዘለዉ ሴክተራት ይምልከቶም እዩ፤ ክሰርሑ ኣለዎም። ጥንኩር ዝኾነ መወሸቢ ብኣንፃር ኣብ ሓደ ክፍሊ ከቐምጥዎ ዝግባእ 'ስታንዳርድ'፡ ንዕኣቶም ክቐርብ ዝኽእል ኣቕርቦት ኩሉ ሙሉእ እዩ፡ ዝብል ገምጋም የብልናን። ከም ቢሮ፡ ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ክሰርሑ ዝግበኦም ስራሓት ጥንኩር ኣይኮነን ኢና ንብል።

እቲ ኣወዳድባ ንኽጥንክር ዳህሳሳት ተኻይድሉ እዩ። እንታይ እዩ ክፍተት ዘሎ ተባሂሉ ተነፂሮም እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ 'ቲንክ ታንክ' ዝበሃሉ ምሁራት ኣለዉ፤ ናብቶም መወሸቢ ማእኸላት ከይዶም ፈቲሾም እዮም። 'እዚ ጉድለት በዚ ይስተኻኸል' ኢሎም ዝሓበርዎ መበገሲ ሓሳብ ኣሎ። ስለዚ እዚ መበገሲ ሓሳብ ይስርሐሉ እዩ ዘሎ።

ቢቢሲ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ክቕፅል? ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ፡ ካብ ሱዳንን ክልል ኣምሓራን ዝኣትዉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ክልል ኣምሓራ 'ውን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ። ክፍተታት ምንፃር እንተይኮነስ ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኮነ ከም ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ባይታ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም?

ኣይተ መንግሽ፡ ንሕና፡ ኣብቲ ቀረብ ዝተብሃለ፡ ክልል መንግስቲ ሓዊሱ፡ ሰብ ሃፍቲ፡ ብተወሳኺ'ውን ኣብዚ ዝነጥፉ ሓደሽቲ ትካላት ኣብዚ ስራሕ እዚ ዘለዎም ቀረብ ንከማልኡ ንሰርሕ ኣለና ኢና። ኣብ ሓደ መወሸቢ ፡ ብስታንዳርድ ክቕመጡ ዘለዉ እውን ኣለዉ እዮም። እዚ ንምምላእ ድማ ክልል መንግስቲ ከባቢ 10 ሚልየን ሓጊዙ እዩ። እዚ፡ ፍርናሻት፣ ኮበርታን ኣንሶላን ካልኦትን ንምግዛእ ፃዕርታት ተገይሮም፤ ፍርቆም ተገዚኦም ከይዶም እዮም፤ ኣብ ዕድጊት ዘለዉ 'ውን ኣለዉ እዮም።

ቢቢሲ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝርከቡ ሰብሞያ ጥዓና፡ እቶም መከላኸሊ ናውቲ ኣማሊእኹምሎም'ዶ፡ ኣብዛ ሕዚ ሰዓት ?

ኣይተ መንግሽ፡ግልግሎት ንዝህቡ ኣብዛ ሕዚ ሰዓት ኮይንና ክንርኢ እንተኾይንና፡ ኣሎ እዩ። ንቐፃሊ ክነማልኦም ዝግበአና ግና ኣለዉ እዮም። ንሳቶም እውን፡ ጨረታ ዳርጋ ተጫሪቶም እዮም ዘለዉ። ንዑ ድማ ዘድሊ ገንዘብ ነተኣኻኽብ ኣለና። ንቀፃሊ ክጠናኸር ምግባር ግና፡ ዕዮ ገዛ ሒዝና ክንሰርሐሉ ኢና።

ቢቢሲ፡ ካብ ጂቡቲ ንዝኣትዉ ሽፈራት ኣብ ዶባት ስጡም ዝኾነ ቁፅፅር ኣይግበርን ዘሎ። ዝመፅኡ ዘወርቲ ዓበይቲ መኻይን ዋዒ ሰብነቶም ጥራሕ ብምልካዕ ጥራሕ እዩ፡ ክሓልፉ ይግበር ዘሎ። ዋዒ ጥራሕ ለኪዕካ ምስዳድ ምስ ብዙሓት ሰባት ክተናኸፉ ዕድል ምሃብ'ዶ ኣይኮነን?

ኣይተ መንግሽ፡ ክሳብ ሕዚ ንሰርሖ ዘለና፡ መራሕቲ ከበድቲ መካይን መጀመርታ ክመጽኡ እንከለዉ ናይ ሰብነቶም ሙቐት ንወስደሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ትግራይ ኣብ ዘእቱ ቦታታት መዕቆቢ ቦታታት ፈሊናሎም ኣለና።

ቢቢሲ፡ ካብ መዓስ?

ኣይተ መንግሽ፡ ካብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጀሚርና፡ እዞም መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኣብ ኣሸጎዳን ኣብ ሰሜን ወተሃደራዊ እዚ ሜዳን ኣለና። ምስኣቶም ብምርድዳእ ተወሺቦም ንክፀንሑ ንሰርሕ ኣለና። ማሕበረሰብ ዝጥቀመሎም ሃለኽቲ ነገራት ፅዒኖም ዝመፅኡ ከኣ፡ ዝኾነ ምትንኻፋት ከይገበሩ ንመካይኖም 'ዲስኢንፈክት ገይርና' ኣራጊፎም ንክምለሱ ይግበር ኣሎ። ካብ ሓደገኛ ቦታ ዝመፅኡ መራሕቲ መካይን ድማ፡ ኣብ መወሸቢ ከምዝፀንሑ ይግበር፤ እታ መኪና ድማ ዝኾነ ምትንካፍ ከይተገበረ ካልእ መራሒ መኪና ተቐቢሉ ናብ ትግራይ ክልል ዝርከባ ከተማታት እቲ ንብረት ከምዝበፅሕ ኢና ንገብር ዘለና።

ቢቢሲ፡ ምቁፅፃርኩም ክሳብ ክንደይ ስጡም'ዩ? ምኽንያቱ ኣብዚ ሰሙን ከም ኣብነት እንድሕር ወሲድና፡ ኣብ ማይ ሓንሰ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ኣስታት ሓሙሽተ መራሕቲ መካይን፡ ካብ ጁቡቲ መፂኦም ረስኒ ተለኪዕና ኢና ብምባል፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ከምዝተሓወሱ ሓበሬታ ኣለና። እዞም መራሕቲ መካይን በበይ ዝሓለፉ እዮም?

ኣይተ መንግሽ፡ ኩሉ ትሰምዕዮ ነገራት ሓቅነቱ ምርኣይ የድሊ'ዩ፡ ርግፀኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝኽእል ንሕና ናብ ትግራይ ዝኣትዋ መካይን ብኸምዚ ኢና ነሕልፈን፡ እኹል ምቁፅፃር ኢና ንገብር፡ ኣብ ሓደ ሓደ ኣሰራርሓና ክፍተታት እንተሃልዩ ምዕራይ ይከኣል'ዩ። ስለዚ እዚ ምስ ኣካላት ፀጥታ ኮይንና ምክትታል እናተገበረ ሕድሕድ መኪና ኣብዚ ናትና ናቑጣ ጥዕና ኣብ ዝተዳለወ መዝገብ እናመተዝገቡ፡ ናበይ ቦታ እዩ ዝኸይድ ዘሎ? እንታይ ዓይነት ጥዕናዊ ክትትል ተገይርሉ? እናመዝገብና ኢና ነሕልፎም ዘለና። ካብዚ ሓሊፎም ዝኣትዉ ነገራት እንተሃልዮም ከኣኒ፡ ካብ ማሕበረሰብ ብዝውሃበና ሓበሬታ ምስ ኣካላት ፀጥታ ኮይንና ኣብ ምስራሕ ኢና ንርከብ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ማእከል መወሸቢ ቀፅሪ መለስ ዜናዊ ተወሺቡ ዝነበረ ካብቲ ማእኸል ወጺኡ፡ ናብ ሕብረተሰብ ዝተሓወሰሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። ኣብ ሆቴል ዝተወሸቡ እውን፡ ከምዝወፅኡ እዩ ዝግለፅ። ነዚ ተግባር ክፍፀም ስቕ ኢሎም ዝርኣዩ ኣመራርሓ ኣካላት ይኹን ኣካላት ፀጥታ እንታይ ዝተወሰደሎም ስጉምቲ ኣሎ?

ኣይተ መንግሽ፡ እወ፡ ፅቡቕ ኣለኺ። ንሕና ተወሺቡ ኣሎ ኢልና ዝሓሰብናዮ፡ ካብ መወሸቢ ወፂኡ ናብ ስድራን ሕብረተሰብን ምሕዋስ ከምዝነበረ ኣረጋጊፅና ኢና። ናይ ፀጥታ ክፍተት ነይሩ'ዩ፡ ነዚ ክፍተት እዚ ዝፈጥረ ከኣ እቲ ናይ ፀጥታ መሓውር እዩ፡ ካብኡ ትምህርቲ ወሲድና ንዝቕፅል ከምኡ ዓይነታት ክፍተታት ከይፍጠር፡ ኣሰራርሓ ኣተኣታቲና ኣለና። እቲ ኣጋጣሚ ግና፡ ኣብ ናይ ሓለዋ ክፍተት ከምዘለና ዘመላኽት እዩ።

ቢቢሲ፡ ነዞም ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ኣካላት ኣመራርሓ ኮነ ኣካላት ፀጥታ'ኸ፡ እንታይ ስጉምቲ ተወሲድሎም?

ኣይተ መንግሽ፡ንሕና ናይ ምምሓዳራዊ ስራሕ እንድዩ፡ እቶም ናይ ፀጥታ ከኣ ናቶም ናይ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ወሲዶም እዮም። እቲ ኣባና ኣብ ምምሕዳራዊ ሸነኻት ክዕረ ዝግበኦ ምስትኽኻል፡ ተገይርሉ'እዩ።

ቢቢሲ፡ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ካብ ምፍላጥ ብዝዘለለ፡ ምስ ፈዴራል መንግስቲ ብኸመይ ተጣሚርኩም ትሰርሑ? ኣብ ሓበሬታ ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ናይ ትግራይ ቀዲሙ ስለዝንገር እየ ነዚ ሕቶ ከልዕል ክኢለ።

ኣይተ መንግሽ፡ ኣብ መጀመርታ ንሕና ቀዲምና ንሕብር ነይርና ኢና። እዚ ዝገበርናሉ ምኽንያት ድማ ምስቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ርክብ ዝነበሮም ንምርካብ ክሕግዘና ብምባል ኢና። ብተወሳኺ ማሕበረሰብ፡ እቲ ሕማም ኣብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ፈሊጡ፡ ዝያዳ ጥንቃቐ ንክገብር ዝተገበረ እዩ'ምበር፡ ምስ ፈዴራል ዘለና ርክብ ሓርፋፍ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ዝተረኸቡ ንሕና ሓቢርና፡ ሽዑን ሽዑ እቲ ሓበሬታ ፌዴራል ዝፈልጠሉ ኣገባብ ከኣ ገይርና ኢና።

ቢቢሲ፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ሓገዛት ትረኽቡ ኣለኹም?

ኣይተ መንግሽ፡ ምስ ፈደራል ዘለና ርክብ ፅቡቕ'ዩ፡ እዚ መርመራ እዚ ክንገብር ዘድሊ ናውቲ ኣብ ምሃብን ኣብ ምሕጋዝን። ኣብ ኣክሱምን ኣብ መቐለን ዝኸፈትናዮ መመርምሪ ማእከላት፡ ፈደራል ብዝገበረልና ናይ ቴክኒክ ሓገዝ እዩ። ስለዚ ምስ ፈደራል፡ ስጡም ዝኾነ ርክብ እዩ ዘለና።

ቢቢሲ፡ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ተባሂሉ ካብ ፌዴራል ዝተሰለዐ ባጀት ኣሎ፡ ናብ ክልል ትግራይ'ከ ክንደይ ሰሊዐሙልኩም?

ኣይተ መንግሽ፡ ካብ ፌዴራል ንሕገዞ ስራሓት ኣሎ እንድዩ፡ ብርግፅ ክንደይ ዝኣክል እዮም ሓጊዞሙና? ንዝብል ካብ ቢሮ(ቤት-ጽሕፈት) ወፂአ ስለዘለኹ ብመጠን ሰልዲ ክንድዚ ክብለኪ ኣይክእልን'የ። ብሰልድን ብዓይነትን ግና ሓገዝ ተዋሂብና እዩ። እቲ ተሓጊዝናዮ ዘለና ግና እኹል ማለት ኣይኮነን ብዙሕ ዝተርፈና ነገር ኣሎ። እቲ ሓገዝ ግና ብሓፈሻ ብቴክኒክ፣ ብናውትን ብሰልድን ብፅቡቕ እዮም፡ ዝሕጉዙና ዘለዉ።

ቢቢሲ፡ ኣብታ ክልል ሰባት ልሙድ ዝኾነ ህይወቶም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ፤ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ዘሎ ርድኢት ዝተሓተ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣጀንዳ እቲ ክልል ስዘለዝተቐየረ እዩ፡ ዕሽሽ ምባል ተፈጢሩ። ኣብ ትግራይ ከምቲ ፈለማ 'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክንከላኸሎ ኢና' ዝበልኩምዎ፡ ሰሪሕና ኢልኩም'ዶ ትሓስቡ?

ኣይተ መንግሽ፡ ኮማንድ ፖስት ይኹን ክልል ጥዕና ቢሮ ሙሉእ ሰሪሑ'ኳ እንተዘይበልና፡ ክሳብ 80 ሚእታዊት ፅቡቕ ስራሕ ኢና እናሰራሕና ንርከብ። ከም መርኣይ ዝገለፅክዮ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዕሽሽ ምባላት ኣለዉ። እቲ ኮሮናቫይረስ እንታይ ዓይነት ጉድለት እንተገይርና ኢና ከም ውልቀ፣ ከም ስድራን ከም ማሕበረሰብን፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክመሓላለፍ ዝኽእል ዝብል፡ ብሚድያ ትምህርቲ ክወሃብ፣ ሕብረተሰብ ክፈልጥ ኣብ ምግባር፣ ዘለዋ ውዳበታት እውን ኣብዚ ክነጥፋ ንሰርሕ ኣለና። እቲ ቢሮ ኣብ ሕብረተሰብ ክፍተታት ከምዘሎ ይኣምን እዩ።

ቢቢሲ፡ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ልሙድ ህይወት ምንባር እኮ፡ ክንድቲ ዝድለ ናይ ግንዛበ ስራሕ ከምዘይተሰርሐ እዩ ዘርእይ። ካልኣይ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል እውን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባታት እየን ተፀሚደን ዘለዋ። 80 ሚእታዊት እኮ ብጣዕሚ ብዙሕ ቁፅሪ እዩ?

ኣይተ መንግሽ፡ ሚድያታት፡ ናይ ፖለቲካ ስራሕ ክሰርሓ እየን፤ ናይ ጥዕና ከመሓላልፍኦ ዝግባእ እውን ይሰርሓሉ ኣለዋ። ቅድሚ ዜናን ድሕሪ ዜናን፡ ማሕበረሰብ ዕረፍቲ ገይሩ ኣበየናይ ሰዓት እዩ ዝርእይ ዝብል፡ መፅናዕቲ ብምግባር ብተለቬዥን ይኹን ብሬድዮ ይመሓላለፍ ኣሎ። ህዝቢ ክነብር እንተኾይኑ ግና እቲ ናይ ፖለቲካዊ ስርዓትና እውን ክጥንክር እዩ ዘለዎ። ሓዲኡ ገዲፍና ዘይኮነስ፡ ክልቲኡ ተጠናኺሩ ንክኸይድ ኢና ክንሰርሕ ዘለና ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ነዚ ዝገለፅክምዎ ቁፅሪ ዝውክል ኣይኮነን። ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝልከፍሉ፣ ከመይ ገይርኩም 80 ሚእታዊት ፅቡቕ ስራሕ ሰሪሕና ትብሉ?

ኣይተ መንግሽ፡ ዋእ፡ 20 ሚእታዊት እዘን ክፍተት ዘለዋ ዝብለኪ ዘለኹ እየን። ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክማላእ ዘለዎ ዕጥቂ እንተልዩ እንተኾይኑ ንሱ ምምላእ እዩ። ኣብ ማሕበረሰብ ክንሰርሖ ዘለና ጉድለታት እንተልዩ እውን፡ ንሳቶም ምምላእ እዩ። ኣነ ዘሎ ስራሕቲ ኩሉ 100 ፐርሰንት 'ፐርፌክት' እዩ ማለተይ ኣይኮንኩን።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ከም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኮነ፡ ከም ሓይሊ ዕማም ክልል ትግራይ፡ ክንሰርሖ ዝግበአና ኩሉ ሰሪሕና ኢና ዝብል ቅዋም እዩ ዘለኩም?

ኣይተ መንግሽ፡እወ። ንሱ እዩ መርገፂ ናተይ።

ቢቢሲ፡ ኣይተ መንግሽ፡ ኣዝየ የመስግን። ክብረት ይሃበለይ።

ኣይተ መንግሽ፡ ኣነ እውን የቐንየለይ