ኣጥቃዒ ቶተንሃም ሶን ኣብ ወተሃደራዊ ተዓሊም ብጨመተ ቶኽሲ ተሸሊሙ

Published

ኣጥቃዓይ ክለብ ቶተንሃም ሳን ሂዮንግ ሚን ኣብ ሃገሩ ደቡብ ኮርያ ንሰለሰተ ሳምንታት ወተሃደራዊ ስልጠና ሃገራዊ ገልግሎት ብዓወት ብምዝዛም ጽቡቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ተሸሊሙ።

ሰብ መዚ ወተሃደራዊ ስልጠና ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ወዲ 27 ዓመት ሳን ሂዮንግ ሚን ካብቶም 157 ስልጠና ኣብ ጨመተ ቶኽሲ ዝበለጸ ኮይኑ ብምርካቡ ከምዝተሸለመ ገሊጾም።

ሳን ሂዮንግ ሚን ካብታ ዝጻወተላ ዝነበረ ክለብ ቶተንሃም ናብ ሃገሩ ደቡብ ኮርያ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ተመሊሱ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ደው ስለዝበለ ድማ ነቲ ግድን ክፍጽሞ ዝነበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክውድእ ወሲኑ።

ደቡብ ኮርያውያን ደቂ 28 ዓመት ምስ ኮኑ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ወተሃደራዊ ስልጠና ዘጠቃለለ 21 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ግዴታ ኣለዎም።

ሳን ግን ሃገሩ ኣብ ወድድራት ኤስያ 2018 ዋንጫ ክትዓትር ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘበርከተ እቲ ን 21 ኣዋርሕ ክፍጽሞ ዝነበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመንግስቲ ደቡብ ኮርያ ተሰሪዝሉ እዩ።

ሳን ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምዝዛሙ ሎሚ ዓርቢ'ዩ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ደሴት ጀሉ ተመሪቑ።

እቲ ስልጠና ጨመተ ቶኽሲ፡ ናይ ሳንጃ ውግእ፡ ምጽናዕ ከሚካላውን ባይሎጂካውን ኣጽዋር ከምኡ'ውን ቀዳማይ ረዲኤት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።

ኣገልግሎት ዜና ዮንሃብ "ሳን ሂዮንግ ሚን ነቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዝበለጹ ሽልማት ወተሃደራዊ ስልጠና ዝኾነ: ሽልማት 'ፒልሱንግ' ተዓዊቱ" ክትብል ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ኣላ።

ጋንታ ቶተንሃም ብወገና ብትዊተር እንቋዕ ሓጎሰካ ድሕሪ ምባል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክጽንበራ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻት ኣላ።

ሳን ሂዮንግ ሚን ጋንትኡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኣስቶንቪላ: 3 ብ 2 ኣብ ዝተዓወተትሉ ኣብ ኢዱ ናይ ዓጽሚ መንቃዕቲ ኣጋጢምዎ መጥባሕቲ ገይሩ ነይሩ።

ኣሰልጣኒ ጋንታ ቶተንሃም ጆሲ ሞሪኖ ንሳን ሂዮንግ ሚን ኣብዚ ወቕቲ ናብ ጸወታ ክምለሰ ተስፋ ከም ዘይነበሮ ብምግላጽ፡ ጥዕዩ ወተሃደራዊ ስልጠናኡ ብሰላም ምዝዛሙ ከም ዘገረሞ ገሊጹ።

ሳን ዋላ እኳ ወተሃደራዊ ስልጠናኡ እንተዛዘመ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝመጽእ 34 ኣዋርሕ 544 ሰዓታት ኣብ ሃገሩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክህብ ክግደድ እዩ።