እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቁጠባ ኣሜሪካ ድሕሪ 2008 ኣብዚ እዋን ብቕልጡፍ የንቆልቁል ኣሎ
ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብምውድዳር፡ ቁጠባ ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።
እዚ፡ ምስቲ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣተግቢራቶ ዘላ እገዳ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ'ውን ይግለጽ።
እቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቁጠባ - ቁጠባ ኣሜሪካ- ካብ 2014 ጀሚሩ ዓመታዊ ብ 4.8% ከንቆልቁል ምጽንሑ እቲ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ጸብጻብ የመልክት።
ዝበዝሐ ካብቲ እገዳታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት ተግባራዊ ብዘይ ምንባሩ ግና፡ እቲ ኣሃዝ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ንእሽቶ ኣንፈት እዩ ዝህብ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓለምን "ዓቢይ ቁጠባውን ሰብኣውን ሽግር" ኣኸቲሉ ምህላው ኣብ ማእከላይ ባንክ ኣሜሪካ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ብረቡዕ ገሊጾም።
ኣሜሪካ ነቲ ቁጠባዊ ሓስያ ንምግጣም ብቐጥታ ንስድራቤታት ዝኽፈል ገንዘብ ዝርከቦ 3 ትሪልዮን ዶላር እያ ሰሊዓ።
ብዘይካ'ዚ ማእከላይ ባንክ ወለድ ናብ ባዶ ክሳብ ምውራድ፡ ዝተፈላለየ ህጹጽ ስጉምታት ወሲዱ እዩ።
እቲ ቁጠባ ውሑስ ኮይኑ ናብ መስመር ክሳብ ዝምለስ፡ ነቲ ውሳነ ክዕቅቦ ምዃኑ ሓላፊ ፈደራል ሪዘርቭ ጅሮም ፓወል ገሊጹ።
እንተኾነ ግን እቲ ቅልውላው ነቲ ቁጠባ ዓቢይ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ሓቢሩ።
ሃንደበታዊ ነውጺ
ካብ መፋርቕ መጋቢት ንደሓር፡ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 26 ሚልዮን ሰባት ስራሕ ከም ዘይብሎም ኣመልኪቶም እዮም።
ኣሜሪካ ድማ ታሪኻዊ ምንቁልቋል ንግዳዊ ንጥፈታት ርእያ።
ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ክልተ ኣዋርሕ ዕብየት ቁጠባ እታ ሃገር ብ30% ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምዃኑ ዝዛረብ ክኢላ ስነቁጠባ ማርክ ዛንዲ "እቲ ቁጠባ ረማዕ ኢሉ'ሎ" ይብል።
እዚ ኣብ ቁጠባ ኣሜሪካ ተራእዩ ዘሎ ምሽምራር ኣካል ናይቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዓለማዊ ዝሕታለ እዩ።
ኣብታ ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ እገዳታት ኣንቢራ ዝጸንሐት ቻይና፡ 6.8% ምጭባጥ ቁጠባ ተራእዩ።
ጀርመን ብወገና ኣብዚ ዓመት ቁጠብኣ ብ 6.3% ከንቆልቁል ከም ዝኽእል ብሩቡዕ ሓቢራ።
ሚኒስተር ቁጠባ ፒተር ኣለተማየር፡ ኣብ ታሪኽ ናይታ ኣብ 1949 ዝተመስረተት ፈደራላዊ ሪፐብሊክ [ጀርመን] "እቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከጋጥመና እዩ" ኢሉ።