ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኸቢድ ዝናብ 6 ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ውሑጅ፡ ሽድሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ውሑጅ፡ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት እንትጠፍእ፡ ኣብ ክልተ ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካል ኣስዒቡ እዩ።

በዚ ውሑጅ፡ ልዕሊ 30 መንበሪ ኣባይቲ ዝፈረሰ እንትኸውን፡ ኣብ ንብረት እውን መጠኑ ዘይተገለፀ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ፡ ወረዳታት ገረሴን ጋጮ ባባን፡ ንተኸታታልቲ መዓልታት ዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ክልተ ድማ ከምዝተጎድኡን፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊፁ።

በዚ ሓደጋ፡ 33 እንስሳ ዘቤት እንትሞታ፡ 52 መንበሪ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ንብረቶም ዓንዮም፤ 2757 ነበርቲ ድማ ተመዛቢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ከተማ ጂንካ ዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሩባ ብምምልኡ፡ ኣብ መሰረት ልምዓት እቲ ከባቢ ዕንወት ኣብፂሑ።

ከምሓበሬታ ሰብመዚ እቲ ከባቢ፡ ክልተ ምስ ካልኦት ከባብታት ዘራኽቡ ቢንቶታት፡ ብውሑጅ ተወሲዶም።

ኣብ ልዕሊ እንስሳትን ዘራእትን እውን ጉድኣት ዘጋጠመ እንትኸውን፡ ኣባይቲ እውን ዓንዮም እዮም።

ሰብሞያ ሜትሮሎጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ንተኸታተልቲ ሰሙናት ዝቕፅልን ጉድኣት ዘስዕብን ከቢድ ዝናብ ክወቅዕ ከምዝኽእል ምጥንቃቖም ይዝከር።