እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምፍታሕ እሱራት፡ "ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን"፡ አቶ ዮሃንስ ወልደገብርኤል
ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተኸሲሶም ተኣሲሮም ዝነበሩ 63 ጥርጡራት፡ ክሶም ተቛሪጹ ኣብዚ ሰሙን ተፈቲሖም ኣለዉ።
መንግስቲ፡ ብምሕረት ነዞም እሱራት ዝፈትሐሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕ እዩ ኢሉ።
ንምዃኑ ግን፡ እቲ ክሲ ናይ ምቁራጽ ስልጣን ናይ መን እዩ? ግደ ዓቃቢ ሕጊ ኸ እንታይ እዩ?
ንላዕለዎት ኣመራርሓ ደርግ ንምኽሳስ ተጣይሱ ኣብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፣ ዳሓር ድማ ኣብ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ጸረ ግዕዝይናን ዓቃቢ ሕጊ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ቀደም በዓል መዚ ጉምሩክ ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ ዝነበረ ኣቶ ዮሃንስ ወልደ ጊዮርጊስ ኣብዚ ጉዳይ ኣዘራሪብናዮ።
ቢቢሲ፡ ጉዳይ ናይቶም ክሶም ተቛሪጹ ክፍትሑ ተገይሮም ዘለዉ 63 ሰባት ከመይ ትርእዮ?
ኣቶ ዮሃንስ፡ ሓደ ላዕለዋይ ፈጻሚ ስራሕ መንግስቲ፡ ንኣብነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሲ ናይ ምቁራጽ መሰል ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓደ ክሲ ገበን ካብቲ ልሙድ ገበን ወጻኢ፡ ክሱ እንተተቋረጸ ዝሓሸ እዩ ኢሉ ክውስንን ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከመሓላልፍን ይኽእል።
እዚ ኣብቲ ሓድሽ መቕጽዒ ሕጊ ኣሎ። በዓል ቤት ክሲ ገበን መንግስቲ እዩ። ስለዚ መንግስቲ እንትውስን ክሲ ከልዕል ይኽእል እዩ።
ነቲ ክሲ ዘልዕሎ ዓቃቢ ሕጊ እንትኾን፡ ብዝኾነ ምኽንያት እቲ ዘቕረብካዮ ክሲ ኣቛርጽ እንተተባሂሉ፡ ናይ መንግስቲ ውሳነ ስለ ዝኾነ ከቋርጽ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሕጊ ተቐሚጡ እዩ።
ብፖለቲካዊ ምኽንያት ይኹን ወይ ብካልእ ጉዳይ ብውሳነ መንግስቲ፡ እዚኦም . . . እዚኦም . . . ይፈትሑ እንተተባሂሉ፡ ነዞም ሰባት ብናይ ገበን ክሲ ኣፍሪድና ካብ እንረኽቦ ንላዕሊ እቲ ክሲ እንተተቋረጸ ይሓይሽ ኢሉ መንግስቲ እንተኣሚኑ፡ ክሲ ኣቋሪጽካ ምፍታሕ ይከኣል'ዩ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ መንግስቲ ናይቶም 63 ሰባት ክሲ ምቁራጹ ትኽክል ድዩ?
ኣቶ ዮሃንስ፦ ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ይኽእል እዩ። ካብዚ ወጻእ ዓቃቢ ሕጊ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺታት ግን ምስ ውሳነ መንግስቲ ንምስናይ ተባሂሉ ዝተገበረ ጻዕሪ እዩ።
እዚ፡ ንዓይ ከም ትካል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ድኹም ምዃን'ዩ ዘርኢ። መንግስቲ በዓል እከለ ይፈትሑ ኢሉ እንተኣዚዙ ነቲ ዝተውሃበ ውሳነ ምኽንያት ብምዝርዛር፡ ናይቶም ሰባት ምፍታሕ ኣግባብ ምዃኑ ንምርግጋጽ ክፍትን ኣይግባእን።
እቲ ዝሃቦ ምኽንያት ኣብ ባዕሉ ከም ምፍራድ'ዩ። መንግስቲ ብዝሃቦ ኣንፈት ወይ መስርሕ ክሶም ክቋረጽ ተገይሩ ኣሎ ካብ ምባል ወጻኢ፡ ካሊእ ምኽንያት ንምቕራብ ፍልጠት፣ ክእለትን ዓቕምን ክህልዎ ኣይግባእን።
ግቡእነት ምቁራጽ እቲ ክሲ ከብርህ እንተይሉ፡ ከመይ ገይርካ መዝገብ ከፊትካ? ናይቲ መረዳእታ ብቕዓት እንታይ እዩ? ናብ ዝብል ክመጽእ ይኽእል እዩ።
ቢቢሲ፡ እቲ ክሲ ናይ ምቁራጽ ስልጣን ገደብ ኣለዎ ዶ?
ኣቶ ዮሃንስ፡ ሓደ ክሲ ይቋረጽ ተባሂሉ እንተተኣዚዙ ገደብ የብሉን፤ ሓደ ክሲ ይለዓል ኢሉ እንተኣዚዙ ይፍጽም ዝብል ሕጊ እዩ ዘሎ። 'ንናይ ህዝቢ ረብሓ ዝብል'ውን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ዘሎ ስለ ዝኾነ ንስርዓት ፍትሒ ዝጎድእ ኣይኮነን።
ኮይኑ ግን ጥንቃቐ ይደሊ እዩ። ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ መምርሒ ኣብ ዝቕበለሉ እዋን፡ ስቕ ኢሉ ከም ሓሽከር ተቐቢሉ ይፍጽም ማለት ኣይኮነን። ነቲ ትካል ዘጸልምን ተኣማንነቱ ከስእኖ ዝኽእል ውሳነ ካብ መንግስቲ ክመጽእ ይኽእል እዩ።
ዓቃቢ ሕጊ ንህዝቢ ወኪሉ ረብሓ ህዝቢ ዘኽብር ትካል እዩ። ስለዚ ስርሑ ሞያ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ተቐቢሉ ተግባራዊ እንትገብር ናብ ውሳኔ ቅድሚ ምእታው ንመንግስቲ ከማኽሮ ይግባእ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣማካሪ ሕጊ መንግስቲ ፌደራል'ውን እዩ። ዘተኣማምን ብቕዓት ዘይብሉ ትካል እንተኾይኑ ግን፡ ፈጻሚ ውሳኔ ፖለቲከኛታት እዩ ክኸውን።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ፍጹም ስልጣን እንተዳኣሃልዩዎ ዓቃቢ ሕጊ ከመይ'ሉ ከማኽር ወይ ክካታዕ ይኽእል?
ኣቶ ዮሃንስ፡ ክካታዕ ይኽእል እዩ፤ እዚ ዝኸውን፡ ብርቱዕ ዓቃቢ ሕጊ እንትሽየም ከምኡ'ውን ብሞያ፣ ክእለትን ፍልጠትን ንመንግስቲ ክመርሕ ዝኽእል ትካል ዓቃቢ ሕጊ እንትህሉ እዩ።
ግልጺ ኣብ ዝኾነ ኣሰራርሓ ተመስሪቱ ዘይሰርሕ ትካል ዓቃቢ ሕጊ እንትህሉ ድማ፡ ከምቲ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ ይኸውን። በዚ ጉዳይ፡ እቲ ትካል ኣብ መዋጥር'ዩ ኣትዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ምፍታሕ እቶም ሰባት፣ ተዋጽኦ፣ ከመይ ዝበሉ እዮም ዝፍትሑ ኣብ ዝብል ዝተሓዋወሰ ነገር እንተሃልዩ፡ ናይ ኣሰራርሓ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ።
ንኣብነት ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕን ንናይ ህዝቢ ረብሓን እንተተባሂሉ፡ ንዕኡ ዝኾኑ ሰባት ከመይ ዝበሉ እዮም? እንታይ ዓይነት ክሲ ዝተመስረተሎም'ዮም? እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ክሲታት ቐሪቦም? በዓል መን ኢና ክንፈትሕ ዝግበአና? ዝብል ብኣግባቡ ክረአ ኣለዎ።
ድኹማትን ዘይተማልኡን ክሲታት እንትቐርቡ፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣቐዲሙ ክውስን ነይሩዎ እምበር መንግስቲ ክኸውን ኣይምተገብአን። ውሳነ መንግስቲ ንድኹማት ክስታት ዓቃቢ ሕጊ መሸፈኒ ክኸውን ኣይነበሮን። ዓቃቢ ሕጊ ዘተኣማምን መረዳእታ ከይሓዘ ክሲ ክምስርት የብሉን።
ቢቢሲ፡ ክሲ ንምምስራት ዘይበቕዑ ምስርሓት፡ ዓቃቢ ሕጊ ብኣጋ ጠጠው ከብሎም ይኽእል'ዶ?
ኣቶ ዮሃንስ፡ እወ፤ ከምኡ ክገብር ነይሩዎ። ዝበዝሕ ግዘ ግን ኣይትግበርን፤ ብኣንጻሩ ዘይረብሑ ክሲታት ክተኣናገዱ ይግበር።
መብዛሕትኦም ፍርዲ ዘየውህቡ ድኹማት ክሲታት እናቕረቡ፡ ኮይኑ ግን መንግስቲ ንረብሓ ህዝቢ ኢሉ ዘቋርጾም እዮም። ትኹረት መንግስቲ ግን፡ ከፍርዱ ዝኽእሉ ጉዳያት ርእዩ ድሓር ንህዝቢ ዝጠቕሙ'ዮም ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ውሳኔ ክህብ ምተገብአ።
ቢቢሲ፡ እቶም ሐዚ ዝተቛረጹ ክሲታት፡ ክሲ ንምምስራት እኹል መረዳእታ ዘይነበሮም እዮም ኢልካ ዲኻ ትኣምን?
ኣቶ ዮሃንስ፡ እቶም መዝገባት ስለ ዘይረኣኹዎም ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ኣይኽእልን፤ ግን ይግምት። ኮይኑ ግን መንግስቲ ንረብሓ ህዝቢ ኢሉ ክቋረጹ ዝገብሮም ክሲታት፡ ዝተማለአ መረዳእታ ዘለዎምን ብዘይ ጥርጥር ቤት ፍርዲ ውሳነ ከዕርፈሎም ዝኽእልን ክኾኑ ኣለዎም። ብዝተረፈ ግን እዞም 63 ክሲታት መንግስቲ ውሳነ ከዕርፈሎም ዝግብኡ እዮም ኢለ ኣይኣምንን።
ብሚዲያ ዝቐርቡ ጸብጻባት ክሰምዕ ከለኹ፡ መብዛሕትኦም ክሲታት ዓንተዉኡ እውን ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ገይሩ ከቕርቦም ዘይነበሮ እዮም። ሐዚ'ውን ክቐርቡ ዘይግበኦም ተመሳሰልቲ ክሲታት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣለዉ፤ ኮይኑ ግና እቶም ክሲታት ኣብዚ ናይ ሐዚ መስርሕ ምቁራጽ ክሲ ኣይተኻተቱን።
ክንድዚ ዝኣክል ተኸሳሲ ብናይ መንግስቲ ውሳነ ክተኣናገድ እዩ ኢለ ኣይሓስብን፡ መብዛሕተኦም ክሲታት ዓቃቢ ሕጊ ባዕሉ ሸፋፊኑ ዘቕረቦም እዮም ኢለ ይግምት።
ስለዚ መንግስቲ እዚ ውሳነ እንትህብ ናብኡ ተጠቓሊሎም ክተኣናገዱ ገይሮም ኢለ እየ ዝኣምን። ካብ 1966 ዓ.ም ንደሓር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን።