ትራምፕ፡ ተኸሲሱ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐርብ ሳልሳይ ፕረዚደንት ኮይኑ

Published

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኽሰስ ሳልሳይ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ክሲ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ሰኔት ኣሜሪካ ከቕርቦ'ዩ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ክውስን'ዩ።

ባይቶ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ስልጣን ብዘይኣግባብ ብምጥቃምን ኮንግረንስ ብምዕጋትን ኣብ ዝብሉ ክስታት ትራምፕ ኣድሚጹ።

ኩሎም ኣባላት ዴሞክራት፡ እቲ ፕሬዝደንት ይከሰስ ብዝብል እንተድምጹ፤ ኩሎም ኣባላት ሪፐብሊካን ግን ተቓውሞ ኣድሚጾም።

እዚ ድምጺ ኣብ ዝወሃበሉ ሰዓት፡ ትራምፕ ኣብ ናይ ደገፍ ሰልፊ ተረኺቡ ዘረባ የስምዕ ነይሩ።

ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ንዝተኣከቡ ሰባት፡ "ንሚቺጋን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣብ እንቃለሰሉ እዋን፡ ጸጋማውያን ኣባላት ኮንግረስ ግን ብቅንኢ፣ ጽልኣትን ቁጥዐን ተወጢሮም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለው ትርእዩ ኣለኹም" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፕሬዝደንት "ብቤትፍርዲ ሰኔት ካብ ተሓታትነት ናጻ ከም ዝኸውን ይፈልጥ" ምንባሩ ገሊጹ።

ትማሊ ኣብዚ ጉዳይ ድምጺ ንምሃብ ዝተኣከቡ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ን 10 ሰዓት ሙሉእ ድሕሪ ምክታዕ እዮም ነቲ ክሲ ኣጽዲቖም።

ትራምፕ መዝነቱ ብዘይኣግባብ ተጠቒሙ'ዩ ንዝብል ክሲ፡ 230 ን 197 እንተድምጹ፤ ኮንግረስ ብምዕጋት ንዝብል ክሲ 229 ን198 ኣድሚጾም።

ኣብ ታሪክ እታ ሃገር፡ ኣንድሪው ጆንሰንን ቢል ክሊንተንን ተኸሲሶም እዮም። ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣካል እዚ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።

ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ክሲ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ዝካትዐሉ እዋን፡ ትራምፕ ንክትዕ ዴሞክራት "ብኣኽረርቲ ጸጋማውያን ዝቐርብ ዘሎ ግፍዓዊ ሓሶት" ከምኡ'ውን "ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ሪፐብሊካን ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ" እናበለ ብተደጋጋሚ ኣብ ትዊተር ይጽሕፍ ነይሩ።

ኣባላት እቲ ባይቶ እንታይ ኢሎም?

ኣፈጉባኤ ዴሞክራት ናንሲ ፔሎሲ፡ እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ክትዕ ብመደረ ከፊታቶ።

"ኣሜሪካውያን ንዘመናት ንስለ ህዝቢ ዴሞክራሲ ንምሕላው ክቃለሱ ጸኒሖም፤ ሕጂ፡ ብዘሕዝን ኩነታት መራሒ ሪፐብሊካን ካብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ብዝወስዶም ዘለው ስጉምታት ግን ኣብ ስግኣት'ዩ ዘሎ" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ሕጂ ስጉምቲ እንተዘይወሲድና ሓላፍነትና ኣብ ሓደጋ ከነውድቖ ኢና፤ ናይቲ ፕሬዝደንት ዘይተገዳስነት፡ ክሲ ግድን ክኸውን ገይሩ'ዩ። ምርጫ ኣይሃበናን" ኢላ።

ወኪል ዴሞክራት ጆ ኬነዲ [ወዲ ዓብዪ ሓው ጆን ኦፍ ኬነዲ]፡ ትራምፕ ክኽሰስ ዘድመጸሉ ምኽንያት እንከብርህ፡ ሽም ደቁ ጸዊዑ።

"ፍቱዋት ኤሊን ጀምስን፤ ነዚ [ፍጻመ] ኣብ ናይ ታሪኽ መጽሓፍኩም ከተንብቡዎ ኢኹም" ብምባል እቲ ፕሬዝደንት፡ "ኣንጻር ህዝቡ ስልጣኑ ከም ኣጽዋር ተጠቒሙ'ዩ" ኢሉ።

ላዕለዋይ ኣባል ኮሚቴ ዳያኑ ሪፐብሊካን ዱግ ኮሊንስ ድማ፡ ኣባላት ዴሞክራት ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ክሲ መስሪትኩም ኢሉ ነቒፉ።

"እዚ ክሲ ካብ ግምት ዝተልዓለ ሽም ምጥፋእ'ዩ። ብሓቂ እዚ ክሲ ንህዝቢ ኣሜሪካ ዝሸይጥ ገበን'ዩ" ኢሉ።

ኣባል ሪፐብሊካን ባሪ ላውደር ሚልክ ነቲ መስርሕ ክሲ ትራምፕ፡ ምስ ዕጫ እየሱስ ክርስቶስ ኣነጻጺሩ ኣቕሪቡዎ።

"ኣብ እዋን እቲ ፍርዲ፤ ዴሞክራት ንትራምፕ ልዕሊ ዝሃቡዎ መሰል ጲላጦስ ንጎይታ እየሱስ ክርስቶስ ዚያዳ መሰል ሂቡዎ'ዩ" ኢሉ።