ኤርትራ ንኬንያ ብምስዓር ናብ ግጥም ፍጻመ ሴካፋ 2019 ሓሊፋ

Published

ኣብ ግጥማት ቤት ምኽሪ ምብራቕን ማእከላይን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ (ሴካፋ) 2019 ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፡ ብገፊሕ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ተዓዊታ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ መበል 18' ኬንያዊ ኦስካር ዋማልዋ ብጌጋ ብዘመዝገባ ሸቶ 1 ብ 0 መሪሓ'ያ ዕረፍቲ ወጽያ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 49' ኣቤል ሰለሞን ካልአይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ሰለስተ ደቒቅ ጸኒሓ ኬንያ ብኦስካር ዋማልዋ ሓንቲ ሸቶ ረኺባ።

ኣብ መበል 66' ሚኪኤል ሃብተ ከምኡውን ኣብ መበል 75' ሮቤል ኪዳነ ክልተ ሸቶታት ንኤርትራ ኣመዝጊቦም፡ ጸወታ ብዓወት ኤርትራ 4 ብ 1 ተዛዚሙ።

ካብቲ ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዝካየድ ካልኣይ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ፡ ንፍጻመ ምስ ኤርትራ ክትገጥም እያ።

ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዝገበረቶ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ናይ ምድብ ጸወታ፡ ምስ ሶማልያ ብዘይሸቶ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ እያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፈት።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ኣብቲ ጸወታ ትሳተፍ ዘላ ኤርትራ፡ ኣቐዲማ ንጅቡቲን ብሩንዲን ክትስዕር ከላ ብኡጋንዳ ተሳዒራ ሽዱሽተ ነጥቢ ኣዋህሊላ ነይራ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ "ንኬንያ እንተስዒርና፡ ዋንጫ ክንዓትር ንኽእል ኢና" ምባሉ ሺንሁዋ ጸብጺቡ።

ኣብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ብናሚብያ ድሕሪ ምስዓራ፡ ዝበዝሑ ተጻወትታ ብሓደስቲ ትሕቲ 20 ዓመት ተጻወትቲ ከም ዝተክአት እቲ ኣሰልጣኒ ገሊጹ።

ሓለቓ እታ ጋንታ ሮቤል ሚኪኤል ዝርከቦም ዝበዝሑ እቶም ነታ ጋንታ ናብ ፍጻመ ክትበጽሕ ዘኽኣሉ ተጻወትቲ ኣባላት፡ እታ ትሕቲ 20 ዓመት ጋንታ ከም ዝኾኑ እቲ ኣስልጣኒ ሓቢሩ።

ኡጋንዳ ነቲ ጸወታ ን 14 ግዜ ክትዕወተሉ ከላ፡ ኬንያ ድማ ሸውዓተ ግዜ ተዓዊታትሉ ኣላ።

ግጥማት ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት

ብኻልእ ወገን ኣብቲ ኣብ ጂንጃ ኡጋንዳ ክካየድ ዝቐነየ ግጥማት ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብብሩንዲ 4 ብ 0 ተሳዒራ 5ይ ደረጃ ሒዛ ውድደራ ዛዚማ።

በዚ ድማ ብሓፈሻ ሓንሳብ ስዒራ፡ ሓንሳብ ማዕረ ወጽያ፡ ሰለስተ ግዜ ተሳዒራ ኣላ።

ኣብቲ ግጥም ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ቡሩንዲ፡ ኬንያ፡ ኤርትራን ጅቡቲን ይሳተፋ ኣለዋ። ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሩዋንዳን ግና ቦኺረን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ኣባል ፈጸሚት ኮሚተ ቤት ምኽሪ ምብራቕን ማእከላይን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ንምዃን ሕቶ ኣቕሪቡ ምህላው ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ምርጫ ሓደስቲ ኣባላት እቲ ፈጻሚ ኮሚተ ረቡዕ 18 ታሕሳስ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝቃናዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሴካፋ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ምርጫ፤ ፕረዚደንት፡ ክልተ ምክትል ፕረዚደንትን ክልተ ኣባላት ኮሚተን ክምረጹ እዮም።

ፕረዚደንት እቲ ቤትምኽሪ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፡ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሱዳን ነበር፡ ሙታሲም ጋፋር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ግዚኡ ኣእኺሉ።