ኣብ ኦሮሚያ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ ፈተነ ቅትለት ተኻይዱሎም

ምንጪ ስእሊ, Kuyyu District communication
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ ብዝተገበረሎም ፈተነ ቅትለት ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሕዎም።
ትማሊ ሓሙስ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምሸት ሰዓት 2፡30 ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ገብረ ጉራቻ ኣብ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ሓደ መደብር ፖሊስ፡ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐ ኣመሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ኣይተ ደረጄ ደንደዓ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ጸጥታ ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩ'ውን እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ።
ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ኩዩ፡ ዋና ሳጅን አዱኛ ደቀባ፡ ኣብቲ ፈተነ ቕትለት ዒላማ ካብ ዝነበሩ ሓደ እዩ።
ኣመሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ከምዝብሎ፡ እቶም ፖሊስ ድራሮም በሊዖም ናብቲ መደብር ፖሊስ እናተመለሱ እንከለዉ እዩ 'ብክልተ ኣንፈት' ተኹሲ ተኸፊትዎም።
"ዋና ሳጅን ኣዱኛ፡ እግሩ ተወቒዑ። ካልእ ምስኡ ዝነበረ ፖሊስ ድማ ኢዱ ተወቒዑ" ይብል እቲ ኣመሓዳሪ።
ድምጺ ተኹሲ ሰሚዖም ናብቲ ከባቢ ዝመጹ ካልኦት ክልተ ምልሻታት እውን ብጥይት ተወቒዖም ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ ዝወረደ ማህሰይቲ፡ ንህይወቶም ዘስግእ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኣይተ ደረጀ፤ እቶም ሰለስተ ኣብ እግሮም እቲ ሓደ ድማ ኣብ ኢዱ ብጥይት ከምዝተወቕዐ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"እቶም ክልተ ኣብ ከተማና ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ፡ እቶም ክልተ ድማ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኾም" ኢሉ።
ኣብቲ ወረዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከሎ፡ እዚ ንፈለማ ኣይኮነን። ሓላፊ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ነበርን፡ ካልኦት ክልተ ፖሊስን፡ ቅድሚ ኣዋርሕ እዮም ብዕጡቓት ተቐቲሎም።
ካልኦት ናይቲ ከባቢ ክልተ ሚልሻ እውን፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ክልተ ደቆም ተቐቲሎም ከምዝተረኸቡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ ነዞም መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ "ቅድሚ ሕዚ ሰራዊት ኦነግ ዝነበሩ ዕጡቓት እዮም" ክብል ይኸስስ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣይተትሓዙን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
