እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘላምበሳ: 10 ኣዋርሕ ብዘይ ክኢላ 'ላቦራቶሪ'
ነበርቲ ከተማ ዘላምበሳን ከባቢኣን ኣብ ከተማኦም ኣብ ዘሎ ጣብያ ጥዕና፡ ክፍሊ ላቦራቶሪ ማለት ቤተ-ምርምር፡ 'በዓል ሞያ የብልናን' ስለዝተበሃሉ ምርመራ ደምን ዝኣመሰሉን ከስርሑ 17 ኪሎሜትር ናብ ከተማ ፋፂ ክጓዓዙ ከምዝተገደዱ ይዛረቡ።
ሕሙማትን ኣለይቶምን: ውፅኢት ምርመራ ደምን ዝኣመሰሉን ሒዞም: ካብ ከተማ ፋፂ ተመሊሶም ናብ ጣብያ ጥዕና ዘላምበሳ 17 ኪሎሜትር ይጓዓዙ።ኣብ ጣብያ ጥዕና ዘላምበሳ ዝሰርሓ ዝነበራ ክልተ ክኢላታት ላቦራቶሪ ብትምህርትን ብሕማምን ካብ ስራሕ ምስ ወፅኣ ን10 ኣዋርሕ ክኢላ ላብራቶሪ የብሉን።
ሳምራዊት ብርሃነ ተወካሊት ምምሕዳር ጣብያ ጥዕና ዘላምበሳ ኢያ።
"ንቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ጉለመኻዳ ብእዋኑ ሓቢርና ኢና፤ እቲ ፀገም ብሕፅረት ቁፅሪ ክኢላታት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ምላሽ ድማ ተዋሂቡና" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፃ።
ጣብያ ጥዕና ዘላምበሳ: ኣብ ወረዳ ጉለመኻዳ ካብ ዘለዉ ጣብያታት ጥዕና ብተነፃፃሪ ብዙሕ ህዝቢ ዝግልገለሉ ማእኸል ሕክምና እዩ።
ብፍላይ ዶብ ዘላምበሳ-ሰርሓ ካብ ዝኽፈት ዝሓለፈ ሓደ ዓመት 1,580 ኤርትራውያን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ክፍሊ ማህደር እቲ ትካል የመልክት።
ኮይኑ ግና ክኢላ ላቦራቶሪ ብእዋኑ ብዘይምምዳቡ ህዝቢ ብምሉእነት ክግልገል ኣይከኣለን።
ሳምራዊት "ሎምቕነ ሓንቲ ክኢላ ተመዲባትልና: ዝሓለፈ ሰሙን ስራሕ ጀሚራ'ላ" ትብል።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ጉለመኻዳ ኣይተ ጠዓመ ትኩእ ብዛዕባ እቲ ፀገም ተሓቲቶም እንትምልሱ እቲ ፀገም ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘባዊ ዓቕምን ክኢላታትን ከም ዝተፈጠረ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"ኣብ ወረዳ ጉለመኻዳ ክልተ ፀገማት ኣለዉ፤ መሰረታዊ ሕፅረት በጀትን ክኢላታት ጥዕናን። ክኢላ ላቦራቶሪ ንምቑፃር ኣብ ዕዳጋ ኣይትረክብን" ኢሎም።
ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ወረዳ: ኣብ ጣብያ ዘላምበሳ ን10 ኣዋርሕ ንዘጋጠመ ክፍተት ክኢላ ላቦራቶሪ ቀዳምነት ብምሃብ ሓንቲ ክኢላ ከም ዝመደበ ኣይተ ጠዓመ ይገልፅ።
"ጣብያ ጥዕና ዘላምበሳ ሕዚ'ውን ሓደ ክኢላ 'ላብራቶሪ' ጥራይ ኣይኣኽሎን፤ ግን ብዘለና ሕፅረት በጀት ሓንቲ መዲብና ኣለና። ብስሩ እውን ክኢላ ላቦራቶሪ ጥራይ እንተይኮነስ ካልኦት ክኢላታት እውን ዝተማለአሉ ትካል ጥዕና ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘባዊ ዓቕምን ስእነት ክኢላታት 'ላብራቶሪ'ን ካልኦት ትካላት ጥዕና እውን ተመሳሳሊ ፀገም ከምዘለወን ሓበሬታ ኣይተ ጠዓመ የረድእ።