ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ መርዓን ቀብርን

Published

ዋላ እኳ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንተተዓፀወ: ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከቡ ሰባት ግን ኣብ መርዓን ሓዘንን ይራኸቡ ኣለዉ።

ብሰንበት ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘላምብሳ ተመርዕዮም።

ብርክት ዝበሉ ኣዝማድን ዕዱማትን ካብ ኤርትራ: ሰርሓን እንዳ ዳሽምን ኣብቲ ድግስ ተረኺቦም።

እተን ሰለስተ መሓዙት መርዓት ካብ ኤርትራ፡ እታ ሓንቲ ድማ ካብ ዘላምበሳ ኮይነን ነቲ ጽምብል ኣድሚቐነኦ ውዒለን።

ብኻልእ ገፁ ድማ: ሓደ ኤርትራዊ ንሕክምና ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ክከታተሉ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ዓሪፎም።

እቶም ሎምዓልቲ ኣብ እንዳ መድሃኔኣለም ዘላምበሳ ዝተቐበሩ ወላዲ: ኣብቶም ዝሓለፉ ቅንያት ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ንሕክምና መፂኦም።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለን ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራትን ክሕከሙ ከምዝፀንሑ ደቆም ይዛረቡ።

ኮይኑ ግና ትማሊ ቀትሪ ከምዝዓረፉን ስድራ መዋቲ ሬሳ ናብ ኤርትራ ከይወስዱ መንገዲ ስለዝተዓፀወ: ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ስድራን ኣዝማድን ናብ ዘላምበሳ ክሳብ ዝመፅኡ ከይተቐበሩ ክፀንሑ ከምዝተገብረ ገሊፆም::

ስድራኦም ካብ ኣስመራን ዓዲቐይሕን መንገዲ ስለዝተዓፀወ ብበረኻ ኣቋሪፆምን ተዃሊሎምን ከምዝመፅኡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድማ፡ ካብ ከተማታት ኣስመራ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝመጹ ኣዝማድን ፈተውትን ተረኺቦም።

መዋቲ ዝተወለድሉ ከባቢ ዘላምበሳ ዝርከቡ ካህናት ብኣልባሳት ማዕሪጎምን ድባብ ተሰኪሞምን ነቲ ቀብሪ መሪሖሞ።

ሓደ ኣብ ዘላምበሳ ዝነብሩ ወላዲ "መንግስታት እዮም ዝባኣሱን ዝዕረቑን እምበር ንሕና ፍልልይ የብልናን" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ሂወትን መነባብሮን ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝድህስስ ጸብጻብ ከቕርብ'ዩ።