እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ንኹሎም ኣባላት ቦርድ መጓዓዝያ ጀልባ ኣባሪሩ
Published
ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ፡ ንኹሎም ኣባለት ቦርድ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀልባ ኬንያ ካብ ሓላፍነቶም ኣባሪሩ።
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣዶን ጓልን ዝሓዘት መኪና፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ፡ ካብታ ተሸኪማታ ዝነበረት መሰጋገሪት ጃልባ ሽተት ኢላ ድሕሪ ምጥሓላ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ።
እቶም ሰበስልጣን፡ ነታ መኪና ንምውጻእ ዝድለ ጻዕሪ ኣይገበሩን ብዝብል ክንቀፉ ጸኒሖም እዮም።
ሰራሕተኛታት ሓይሊ ባሕሪ ኬንያ፡ ነታ ኣደን ጓልን ሒዛ ዝጠሐለት መኪና ንኸውጽኡ እኹል ዕጥቂ ስለዘይነበሮም ድማ፡ ሰብ ሞያ ካብ ህንድን ደቡብ ኣፍሪካን ክመጹ ተገይሩ።
ቤተሰብ ግዳይ እቲ ሓደጋ፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዝኸሱ 'ዘ ስታር' ዝተብሃለ ጋዜጣ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብቑኣት ብዘይኮኑ ጀላቡ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝውቀስ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ክስራሕ ተባሂሉ ዝነበረ መሰጋገሪ ድልድል ድማ ብሰንኪ ብልሽውና ከምዝተደናጎየ ይግለጽ።