እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዒድ ቡተፍሊቓ፡ ሓዉ ንፕረዚደንት ኣልጀርያ ነበር ን15 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ
ስዒድ ቡተፍሊቓ፡ ሓዉ ንፕረዚደንት ኣልጀርያ ነበር፡ ን15 ዓመት ንኽእሰር ተፈሪድዎ።
ንሱ፡ ሓዉ ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ኣብ ስልጣን እንከሎ፤ ቀንዲ መራሕቲ እታ ሃገር ኮይኖም ካብ ዝዋስኡ ዝነበሩ ሓደ እዩ።
ካልኦት ክልተ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ናይታ ሃገር ኮይኖም ዘገልገሉ ሰብመዚን፤ መራሒ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ዝነበረን'ውን ን15 ንኽእሰሩ፡ ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ በይኑ።
ነዚ ጉዳዮም ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እዞም ዓርባዕተ ሰባት ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ንኽእሰሩ ከም ዝሓተቱ'ውን ኤኤፈፒ ኣቃሊሑ።
እዞም ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰበስልጣናት፡ ኣንጻር ሃገር ውዲት ኣሊምኩም ከምኡ'ውን ንሰራዊት እታ ሃገር ኣነኣኢስኩም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም ኣብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረቡ።
ኣብ 2013 ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ፡ ወቕዒ [ስትሮክ] ምስ ኣጋጠሞ፡ ሓው ስዒድ ቡተፍሊቓ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ይመርሕ ምንባሩ ይሕበር።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019፡ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ንሓሙሻይ ግዜ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ምስ ወሰነ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣላዓዒሉ።
ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቡተፍሊቃ፡ ተቓውሞ እናሓየለ ምስ ቀጸለ ድማ ንሓምሻይ ግዘ ናይ ምውድዳር ሓሳብ ሰሪዝዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘስዓበሉ ጉድኣት፡ ብዓረብያ ይንቐሳቀስ ከም ዝነበረን፡ ናይ ምዝራብ ዓቑሙ'ውን ኣዝዩ ድሩት ከም ዝነበረን ይፍለጥ።
ዓብደልዓዚዝ ቡታፊሊቃ ንኣልጀርያ ን20 ዓመታት መሪሕዋ'ዩ።