ኬቨን ሃርት ብሓደጋ መኪና 'ከቢድ መጉዳእቲ በጺሕዎ'

ኬቨን ሃርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ውሩይ ኣሜሪካዊ ተዋሳኢን ኮሜድያንን ኬቨን ሃርት፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና "ከቢድ ናይ ሕቖ መጉዳእቲ" ስለዝበጽሖ ሰንበት ንጉሆ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ብሰኑይ በዓልቲ ቤቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኬቨን ሃርት ነቒሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ "ደሓን ክኸውን እዩ" ኢላ።

እቲ ሓደጋ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ።

ነታ መኪና ይዝውር ዝነበረ ጃሬድ ብላክ ዝበሃል ሰብ'ውን ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ እዋን ምስኦም ዝነበረት ካልእ ተሳፋሪት ግን፡ በቲ ሓደጋ ከምዘይተሃሰየት ተገሊጹ።

ኬቨን ሃርት፡ ኣብ መድረኽ ብዘቕርቦ ናይ ኮሜዲ ስርሑን ኣብ ፊልምታት ብዝዋሰኦም ዘስሕቑ ገጸባህርያትን እዩ ዝልለ።

ኬቨን ሃርት፡ ናይ ሎም ዓመት ጽምብል ኦስካርስ ከሳሲ ተሓርዩ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ርክብ-ተመሳሳሊ-ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ሰባት ጽልኢ ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ከምዘስፈረ ምስተፈለጠ፡ ካብ ምስሳይ ኦስካርስ ንርእሱ ኣግሊሉ እዩ።

እቲ ወዲ 40 ዓመት ኮሜድያን "ስምዒት ሰባት ስለዝጎዳእኹ ይቕሬታ" ኢሉ ነይሩ።

ናይ ሎሚ ዘብን ጽምብል ኦስካርስ፡ ብዘይ ኣሳሳዪ እዩ ተኻይዱ።