ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ሶማላዊ ዜግነቱ ክሕደስ ሕቶ ኣቕሪቡ

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Ambassador Estifanos/Twitter

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን፡ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ሶማል ዜግነቱ ክሕደሰሉ ሕቶ ከም ዘቕረበ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ብቀዳም ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ፡ ንፕረዘዲንት ሪፓብሊክ ሶማል፡ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ብኣካል ከም ዝረኸቦን ነቲ ሕቶ ከም ዘቕረበሉን ገሊጹ።

"ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ነቲ ኣብ 1983 ዝተወሃበኒ ናይ ሶማል ዜግነት ኣብ ምሕዳስ ክተሓጋገዘኒ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናሪታ ቶክዮ ሓቲተዮ" ይብል እቲ ኣብ ትዊተር ዝተለጠፈ ጽሑፍ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶታቶም ይህብሉ ኣለው።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብዙሓት ናይ ሶማል ባንዴራ ምልክት ዝገበሩ ተጠቀምቲ ትዊተር ንሕቶ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ እንከለው፡ ንምንታይ ዜግነት ሶማል ኣድልዩዎ ዝብሉ'ውን ነይሮም።

ሕጊ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ድርብ ዜግነት፡ ብንጹር ከምዘይዛረብ ዝገልጽ ኣቦ መንበር ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ኤርትራ፡ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ "ብግብሪ ግና ከም ዝፍቀድ" ይሕብር።

"ናይ ካልእ ሃገር ዜግነት ሒዞም፡ ካብ ኤምባሲታት ታሴራ ናይ ኤርትራ ከውጽኡ እንተኽኢሎም፡ ኣብ ኤርትራ ከይዶም ናይ ዜግነት መሰሎም ይሕለወሎም እዩ" ብምባል ኣብቲ ሕጊ ብወግዒ ከም ዘይተኸልከለን ኣብ ኣሰራርሓ ንድርብ ዜግነት ዘፍቅድ ፖሊሲ ከም ዘሎን ይገልጽ።

ቢቢሲ ትግርኛ ንኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኮነ ንካልኦት ሰበስልጣናት ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይስለጠን።

ሶማል ብመሰረት እቲ ኣብ 2016 ዝተመሓየሸ እማመ፡ ድርብ ዜግነት ተፍቅድ እያ።