ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ እሱር ዝቐጥቀጡ ክልተ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ብሰኑይ፡ ሓደ ፖሊስ ኢዱ ብመቑሕ ንዝተኣስረ መንእሰይ እናቐጥቀጠ፡ ካልእ ፖሊስ ድማ ናብ ሰማይ እናተኮሰ፡ ሓንቲ ኣደ ድማ ክትገላግል ክትፍትን ከላ፡ ፖሊስ እናደፍኣ ዘርእይ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ውዒሉ።

እቲ ፍጻመ ንብዙሓት ዘቖጠዐ እንትኸውን፡ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ኣባለት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ምጽራይ የካይደሎም ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ አበባ ሓቢሩ።

ምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ አበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፤ ኣድላይ ዝበሃል ምጸራይ ይካይድ ከምዘሎ ብምግላጽ በቶም ኣባላት ንዝተፈጥረ ዘሕፍር ተግባር ንህዝቢ ዕላዊ ይቕረታ ከምዝሓትት ንሃገራዊ ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ተዛሪቡ።

እቲ ዘጋጠመ ብትኽክል እንታይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ድማ እቲ ተግባር እንትፍጸም ዝነበሩ መንጎኛ ሰባት እናሓተቱን እናጻረዩን ከምዝኾኑ፡ እቲ ምክትል ሓላፊ ሓቢሩ።

እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ፖላዊስ ሓደሽቲ ከምዝኾኑ፡ ይኹን'ምበር ናይ ስልጠና ጉድለት ከምዘይብሎም ወሲኹ ኣብሪሁ።

ብዓይኒ'ቲ በዓል ካሜራ

እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 'ቄራ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ነቲ ኹነታት ስኢሉ ኣብ ትዊተር ዝዘርገሖ፡ ኣቤል ብዝብል ሽም ዝጥቀም ምስክር ዓይኒ እዩ።

እቲ ምስክር ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኣብቲ 'ካብ ጎፋ ገብርኤል' ናብ 'ቄራ' ዝበሃል ከባቢ ዝወስድ መገዲ ምስበጽሐ፡ ሰብ ክጓየይ ርእዩ።

"እቲ ዝውቃዕ ዝነበረ መንእሰይ፡ ደድሕሪ እታ ኣብቲ ምስሊ እትረኣ ኣደ ይኸይድ ነይሩ" ይብል።

ኣብ መገዲ፡ እቲ መንእሰይን ፖሊስን ክደፋፍኡ ምስጀመሩ፤ እቲ ዝወቕዕ ዝነበረ ፖሊስ፡ ብረቱ ነቲ ካልኣዩ ከምዘቐበሎ ኣቤል ይገልጽ።

እቲ ካልኣይ ፖሊስ፡ ብረት ለጕሙ ንሰማይ ክትኩስ ጀሚሩ። እዚ ቀዳማይ ተኹሲ፡ ኣብቲ ዝተዘርገሐ ምስሊ ኣይረኣይን።

ድሕሪ'ዚ፤ እቲ መንእሰይ ኢዱ ሂቡ። ብመቑሕ ምስኣሰርዎ፡ ክቕጥቅጥዎ ጀሚሮም። ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ሰብ'ኳ እንተነበረ፡ ብዘይካ ሓንቲ ኣደ ክድሕኖ ዝፈተነ ኣይነበረን።

ኩሉ ፈሪሑ ይሃድም ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ካልኣይ ፖሊስ "ኣልግሱ" እናበለ ደጊሙ ጥይት ከምዝተኮሰ እቲ ምስክር ዓይኒ ይገልጽ።

እታ ክትግልግል ዝፈተነት 'ሓንቲ ኣደ' ድማ በቶም ፖሊስ ብዘይርህራሄ ክትንከላበት ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ትረአ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ዋላ ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘይነበረ ኣቤል ይዛረብ። እቲ ብረት ዝሓዘ ፖሊስ "ቅርብ ከይትብሉ" እናበለ የፈራርሕ ምንባሩ ድማ ይገልጽ።

እቲ ፖሊስ ኣብ ኢዱ፡ ሬድዮ ርክብ ሒዙ ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ምስክር፡ ብሬድዮ ሓገዝ ክጽውዕ እናኸኣለ ንምንታይ ከምዝተኮሰ "ኣይበርሃለይን" ይብል።