ናይጄሪያ ንሓደ ንእሸቶ ኩባንያ ነዳዲ 9 ቢልዮን ዶላር ክትኸፍል እንግሊዛዊ ዳይና ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ናይጄሪያ ንሓደ ንእሽቶ ኩባንያ ነዳዲ ብ9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቕጽዓት ክኸፍል እንግሊዛዊ ዳይና በይኑ።
እዚ P&ID ዝበሃል ነዳዲ ኣብ ምውጻእ ዝተዋፈረ ኩባንያ፡ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዘፍሪ ትካል ንምህናፅ ምስ መንግስቲ ናይጄሪያ ብ2010 ውዕል ኣሲሩ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ውዕል ፈሪሱ።
ካብኡ እቲ ኩባንያ ነዳዲ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ብውዕሉ መሰረት ነዳዲ ከቕርብ፤ ነዳዲ መተሓላለፊ መስመር ድማ ክዝርግሕ ኣይከኣለን ክብል ክሲ መስሪቱ።
እቲ ኩባንያ መጀመርታ ብ2017፡ 6.6 ቢልዮን ዶላር ክኽፈሎ ተበይንሉ ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ግን ወለድ 2.4 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ክኽፈሎ ወሲኑ።
እቲ ክህነጽ ተሓሲቡ ዝነበረ ትካል መጻረዪ ነዳዲ፡ ናይጀርያ ነጻ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ ዘኽእል እዩ ነይሩ።

ኤኤፍፒ ከም ዝጸፀብፀቦ፡ ናይቲ ውዕል ብምስራዙ እቲ ትካል ብመዓልቲ 1.2 ሚልዮን ዶላር ወለድ ከም ዝኸሰረ ዝተገለጸ እንትኸውን፡ ጠበቓ መንግስቲ ናይጄሪያ ግን ምሒር ዝተረጋነነ ኢሉዎ።
ቕጽዓት ድምር ናይጄሪያ መሐለውታ ሸርፊ ወጻኢ ዝኸውን፡ 20 ምኢታዊ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ከምኡ ድማ፡ ኣብ እንግሊዝ ዝርከባ ኣብያተ ፍርዲ እዚ ጉዳይ ክሪኣ ስልጣን የብለንን ኢሉ።
እቲ ውዕል ብመሰረት ሕጊ ናይጀርያ ዝተኣሰረ ምዃኑ ድማ ብምኽንያትነት የቕምጥ።
ዳይና ግን ነቲ ካብ ናይጀርያ ዝቐረበ መካትዒ ውድቂ ገይሩዎ። ጠበቓ መንግስቲ ናይጄሪያ ድማ ይግባይ ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
