ናይጀርያ፡ ልዕሊ ዓቀን ዝመልኣ ፈለጋት ልዕሊ 100 ሰባት ቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰብ መዚ ናይጀርያ፡ ክልተ ዓበይቲ ኣፍላጋት ናይጀርያ መሊኦም ስለዝፈሰሱ፡ ሂወት ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም።
ሃገራዊ ምምሕዳር እዋን ሓደጋ ናይጀርያ ከምዝሓበሮ፡ ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ልዕሊ ዓቐን ምምላእ ኣፍላጋት ኒጀርን ቢንዮን'ዩ እዚ ሓደጋ ስዒቡ።
ኣብ መላእ ናይጀርያ ንክልተ ሰናብቲ ዝሃረመ ዝናብ፡ ነተን ኣብ ገማግም እቲ ኣፍላግ ዝርከባ ዓድታትተ ግዳይ ገይሩወን።
መንግስቲ፡ እዞም ኣብ ገማግም እዚ ኣፍላጋት ዝርከቡ ሕብረተሰብ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ናይይጀርያ በዚ ፍሰት ኣፍላጋት፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ሰፊሕ ናይ ሕረሻ መሬት ተደምሲሱ ኣሎ ክብል ወኪል ቢቢሲ ኢስሃቕ ካሊድ ካብ ኣቡጃ ሓቢሩ።
ኣብ ዞባ ኒጀር ጥራይ፡ ልዕሊ ኣርብዓ ሰባት ከምዝሞቱ፡ ዳይሬክተር ሃገራዊ ምምሓዳር እዋን ሓደጋ ናይጀርያ ሙስታፋ ዩኑሳ ማይሃጅ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
በዚ ልዕሊ ዓቀን ፍሰት ኣፍላጋት 11 ኣውራጃታት ናይጀርያ ክጽለዋ ክኢለን'ዉን ኢሉ።
ሰብ መዚ ናይጀርያ ካልእ ተወሳኪ ፍሰት ኣፋላጋት'ውን ከጋጥም ከምዝኽእል ብምስጋእ እዋን ህጹጽ ግዜ ክእውጁ ከምዝኽእሉ እዩ ዝንገር።
ናይጀርያ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ዳርጋ ዓመታዊ እያ ትጥቃዕ።
ተንተንቲ ከምዝሕብርዎ፡ ዘይስሩዕ ኣሰራርሓ ኣባይቲ ከተማታት፡ ምዕጋት መንገድታት ማይን ትሑትን ጸቢብን መተሓላላለፊ ማይን ነዚ ሓደጋ ከምዘብኣሶ የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
