እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ቴክሳስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፋሪት 10 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ቴክሳስ-ዳላስ ኣብ ልዕሊ መጽለሊ ነፈርቲ (ሃንገር) ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት 10 ሰባት ሞይቶም።
እታ ክልተ ሞተር ዘለዋ ቢችክራፍት ቢኢ-350 ኪንግ ኤይር ዓይነታ ንእሽተይ ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲሶን ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ'ያ ወዲቓ።
ናይቲ ከባቢ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ኣንፈታ ብምቕያር ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ነፈርቲ ወዲቓ።
ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ቀልጢፎም ናብቲ ቦታ እንተበጽሑ'ኳ፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ግን ኣይረኸቡን።
መንነት ግዳያት እውን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ኣይተገበረን።
ዳኛ ግዝኣት ዳላስ-ቴክሳስ ክለይ ጀንኪንስ "ናብቲ ቦታ ከይደ መብርሂ ተዋሂቡኒ'ዩ። ንስድራ በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ጸሎት ግበሩሎም። መንነት ግዳያት ንምልላይ እናተሰርሐ'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።
እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ'ቲ ሰፈር ነፍረቲ ክትወድቕ ከላ ኣብ ውሽጢ ዝጸንሐ ሰብ ከም ዘይነበረ ተገሊጹ'ሎ።
ስሙ ዘይተገለጸ ምንጪ ንመደበር ቴሌቪዠን ኣሜሪካ-ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ናይ ሞተር ጸገም ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ይኹን'ምበር ብዛዕባ'ዚ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ምርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ግን ተፈሊጡ።