መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) እንታይ እዩ?

Published

መኽዘን ሓበሬታ (Blackbox) እንታይ እዩ?

መኽዘን ሓበሬታ ነፈርቲ ሓደጋ እንተጋጥመን፡ ጠቓሚ መረዳእታ ብምሓዝ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ኣብ ዝግበር ምጽራይ ዝሕግዝ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፍሊ እተን ነፈርቲ ዝርከብ ኣካል እዩ።

ድሕሪ ሓደጋ ብቐሊሉ ክርከብ ተባሂሉ ደሚቕ ናይ ኣራንሺ ሕብሪ ክህልዎ ተገይሩ ዝስራሕ እዚ መኽዘን ሓበሬታ፡ ክንዲ ናይ ጫማ መቕመጢ ባኮ እንትኾን፡ ናይ በረራ መረዳእታ መመዝገብን፡ ናይ በረራ ክፍሊ መቕድሒን ዝበሃሉ ክልተ ክፍሊታት ኣለውዎ።

እቲ ናይ በረራ መረዳእታ መመዝገቢ፡ መጠን ሙቐት ኣየር፥ ፍጥነት፥ ብራኸን መጠን ነዳድን ዝኣመሰሉ መረዳእታታት ንኣስታት 25 ሰዓታት መዝጊቡ ዝሕዝ እዩ። ናይ በረራ ክፍሊ ድምጺ መቕድሒ ድማ፡ ድምጺ ሞተር እታ ነፋሪትን ምስ ተቖጻጸርቲ ኣየር ዝግበሩ ዝርርባትን ሓዊሱ ኩሎም ዓይነታት ድምጺ ይቐድሕ።