እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልጀርያ፡ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ቅድሚ 28 ሚያዚያ ስልጣን ክለቅቕ`ዩ
ፕረዚደንት ኣልጀርያ ቡተፍሊቓ፡ ናይ ስልጣን እዋኑ ኣብ 28 ሚያዚያ ቅድሚ ምብቅዑ ካብ መዝነቱ ክእለ ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከን ዜና`ታ ሃገር ኣፍሊጣ።
እቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 82 ዓመት ቡተፍሊቓ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ `ቀጻልነት ስራሕ ትካላት መንግስቲ ከረግጋጽ`እዩ ኢሉ ንፕረሲደንታዊ መግለጺ ጠቒሱ ዝጸብጸበ ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ።
እዚ ዜና`ዚ ነቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣን ክእለ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ስዒቢ`ዩ መጺኡ።
ከም ሳዕቤን ናይ`ቶም ተቓውሞ ሰልፍታት ድማ ነቲ ንሓሙሻይ እዋን ንፕረሲደንትነት ናይ ምውድዳር ውጥኑ ክስርዞ ተቐሲቡ`ዩ።
እቲ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ ተሰሪዙ`ሎ መንግስቲ ድማ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይሕጉስነት ዝኣልዩ ጽገናታት ንምትእትታው ዝዝቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከዳሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ`ሎ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ፕረሲደንት መዓስ ካብ ስልጣኑ ከም ዝእለ ንጹር ኣይነበረን ይብሉ ተዓዘብቲ።
ጥዕና ናይ`ቲ ኣብ ሰማንያታት ዘሎ ፕረሲደንት ኣዝዩ ብምጉዳሉ ሓደ ጽልውኡ ክስእን ዘይደሊ `ስልጣን/ሓይሊ` ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ነጋዶ፣ ፖለቲከኛታትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ንዕኡ ንቕድሚት ኣምሪሑ ክጥቀመሉ ይደሊ ከምዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሮባ ጸብጺቡ።
እዚ ጉጅለ`ዚ ነቲ ኣልጀሪያ ካብ ፈረንሳይ ሓርነታ ካብ ዝረኸበትሉ 1962 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሃገራዊ ሓርነታዊ ግንባር (ናሽናል ሊበሬሽን ፍሮንት) ብዓብላልነት ይቆጻጸር።
እቶም ሰልፈኛታት እቲ ፕረሲደንት ጥራይ ዘይኮነ እንከላይ`ቶም ንዕኡ ክትክኡ ኣብ መስርዕ ዘለዉ ኣረግቶት ወለዶ ፖለቲከኛታት ከልግሱ`ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
መብዛሕትኦም`ቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ተሳትፎ ዘይጸንሖም መናሰያት`ዮም፡ ሓድሽ መንግስታዊ ስርዓት ደኣ`ምበር ነቲ ጦና ዝሰኣና ፕረሲደንት ዝትክእ ሰብ ከምዘይደልዩ ድማ ይገልጹ።
ሓላፊ ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ኣልጀሪያ ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ጋዒድ ሳላሕ እቲ ፕረሲደንት ሃገር ክመርሕ ብቑዕ ኣይኮነን ተባሂሉ ክእለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጠሊቡ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2013 ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ ብህዝቢ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፕረሲደንት ቡተፍሊቓ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዓቢ ናይ ካቢኔ ብወዛ ገይሩ ነይሩ።
እቶም ኣንጻር ቡተፍሊቃ ዝግበሩ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ እቲ ፕረሲደንት ንሓሙሻይ እዋን ኣብ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ምስ ኣፍለጠ`ዮም ቅድሚ ክልተ ወርሒ`ዮም ጀሚሮም።
እንተኾነ ግን እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ምዃኑ ድህሪ ምግላጹ`ውን እቶም ሰልፈኛታት ቅልጡፍ ለውጢ ብምጥላብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታቶም ቀጺሎም ኣለዉ።