ኣልጀርያ፡ ፕረዚደንት ቡታፊሊቃ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኣልጀርያ፡ ዓብደልዓዚዝ ቡታፊሊቃ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ንዝመጽእ እዋን ክናዋሕ ኣዚዙ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ቡታፊሊቃ፡ ንመበል 5ይ ግዚኡ ክወዳደር ምውሳኑ ኣብ ህዚቢ'ታ ሃገር ቁጠዐ ፈጢሩ ቀንዩ'ዩ።
ብሰንኩ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ንሰሙናት ዝቐጸለ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ከም ዝቐነየ ይዝከር።
እቲ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት፡ ኣብ 2013 ብ'ስትሮክ' ድሕሪ ምጥቅዑ፡ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ'ዩ ጸኒሑ።
ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘስዓበሉ ጉድኣት፡ ብዓረብያ ከም ዝንቀሳቐስን፡ ናይ ምዝራብ ዓቑሙ'ውን ኣዝዩ ከም ዝተደረተን ይፍለጥ።
ዓብደልዓዚዝ ቡታፊሊቃ፡ ነታ ሃገር ን20 ዓመታት መሪሕዋ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ንክልተ ሳምንቲ ኣብ ሓደ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ።
"ሓሙሻይ እብረ ዝበሃል ነገር የለን" ድሕሪ ምባል፡ "ካብ ቀደሙ'ውን ዘተሓታትት ኣይነበረን፡ ንኩነታት ጥዕናይን ዕድመይን ኣብ ግምት ብምእታዉ። ናይ መወዳእታ ግዴታይ ንህዝቢ ኣልጀርያ፡ ኣብ ምምስራት እዛ ሓዳስ ሪፓብሊክ ኣበርክቶ ክገብር ጥራይ'ዩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ እንተድኣ ተዓዊቱ፡ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተመባጺዑ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠዐ ከህድኦ ኣይከኣለን።
ንሱ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝቐረበሉ ኣብ 2014 ሃገራዊ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ምንባሩ ይዝረብ።
እቶም በቲ እናበኣሰ ክኸይድ ዝጸንሐ ኩነታት ጥዕንኡ ከሰክፎም ዝጸንሐ ወገናት ኣብ ስልጣን እንከሎ እንድሕር ድኣ ሞእቱ ነታ ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ክኸታ ከም ዝኽእል ስክፍትኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
መንእሰያት ኣልጀርያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ከጋጥም ዝጸንሐ፡ ስእነት ስራሕን ቁጠባዊ ዕድላትን ተበሳጭዯም ከም ዘለዉ ይንገር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
