ኣልጀርያ፡ ወዲ 81 ዓመት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ንሓሙሻይ ግዚኡ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓደ ካብ ቀንዲ ኣባላት ኣብ መሪሕነት ዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ ኣልጀርያ፡ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ፡ ንሓምሻይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ድጋፉ ከምዝህብ ምግላጹ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
መላፍንቲ ናይቲ ብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ዝምራሕ ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት (FLN) ዝኾነ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ንዲሞክራሰዊ (RND) እዩ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ከም ዝወዳደር ክሕብሮም ይጽበዩ ከምዘለዉ ዝገለጸ።
ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ፡ ብዓረብያ ስንኩላን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ብዙሕ ግዜ ከይተረኣየ እዩ ሓሊፍዎ።
ክሳብ ሕጂ'ውን ሓዲሽ መዝነት ከም ዝደልን ከም ዘይደልን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ተወዳደርቲ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምውድዳር ክሳብ መጋቢት 3 ኣብ ዘሎ ግዜ ወረቐቶም ከረክቡ ከም ዘልዎም'ዩ ዝፍለጥ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
