እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞይታ ተባሂላ ዝተገንዘት ሰበይቲ ብህይወታ ኣብ እንዳ ሬሳ ተረኺባ
ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሰበይቲ ኣብ መዝሓሊ (ፍሪጅ) ሬሳታት ናይ ሓደ መቐመጢ ሬሳታት ተዓሺጋ ድሕሪ ምርካባ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕክምና ይግበረላ`ሎ።
ንሳ ሓደጋ መኪና ምስ ኣጋጠማ ተሓጋገዝቲ ሕክምና (ፓራመዲክስ) ሞይታ`ያ ኢሎም ስለዝወሰኑ ኣብ ኣውራጃ ጋውተን ናብ ዝርከብ መቐመጢ ሬሳታት ተወሲዳ።
ኣባላት ናይ ሓንቲ ቅልጡፍ ሓገዝ እትልግስ ኣምቡላንስ፡ እታ ሰበይቲ `ዋላ ሓንቲ ብህይወታ ከምዘላ ዘርእይ ምልክት` ኣይነበራን ኢሎም፡ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ታይምስ ላይቭ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ።
እንተኾነ ግን ሓደ ሰራሕተኛ ናይ`ቲ መቐመጢ ሬሳ ከተተንፍስ ረኺብዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ተዓቚባ ሕክምና ይግበረላ ከምዘሎ ድማ ሓደ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ስማ ግን ዛጊት ኣይተጠቕሰን።
ቤተሰባ ግን መልሲ ክዋሃቦ ሓቲቶም ኣለዉ፡ እቲ ጉዳይ ድማ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
`ኩሎም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ፖሊስ፣ ተሓጋገዝቲ ሕክምናን ሰበ ስልጣን ናይቲ መቐመጢ ሬሳን ኣብ ዘየለውሉ እዋን ኣይንዛረብን ኢና። መልሲ ክወሃበና ኣለዎ` ኢሉ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ስድራቤት ኩሉ ሰንቢዱ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።
`ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ንጽሩነት ናይ`ቲ ጉዳይ ስለዘይብልና፡ ንሕና ንደሊዮ መልሲ ጥራይ`ዩ` ኢሉ።
ሓላፊ ናይ`ቲ ቅልጡፍ ሓገዝ ዝህብ ትካል ገሪት ብራድኒክ ግን ብትካሉ ዝተፈጸመ `ጉድለት ጥንቃቐ ዘመልክት ዋላ ሓደ ጭብጢ የለን` ኢሉ።
`እዚ ነገር`ዚ ኣባላትና ግቡእ ስልጠና ስለዘይወሰዱ ኣይኮነን ኣጋጢሙ` ኢሊ ድማ ንታይምስ ላይቭ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብዙሓት ግዳያት ዝነበርዎ ሓደጋ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ`ውን ሚስተር ብራድኒክ ብ24 ሰነ ንታይምስ ሰለክት ሓቢሩ።
ኣብዚ ዓመት`ዚ ሓደ ሞይቱ ተባሂሉ ናብ መቐመጢ ሬሳ ምስ ተወስደ ክትንስእ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ`ውን ኣብ ዞባ ኣስቱሪያስ ናይ ስፓኛ ሓደ እሱር ሞይቱ ተባሂሉ ናይ ሬሳ መርመራ ክግበረሉ ሒደት ሰዓታት ምስ ተረፍኦ ተበራቢሩ`ዩ። ሰለስተ ዶክተራት ድማ ሞይቱ`ዩ ኢሎም ፈሪሞም ነይሮም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን ከምዚ ከጋጥም ናይ ፈለማ እዋን ኣይኮነን። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ሓደ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ሓደ መቐመጢ ሬሳ ናይ ኣውራጃ ምብራቓዊ ኬፕ እናኣእወየ ተንሲኡ`ዩ።
ኣብ 2016 ድማ ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ሓደ ግዳይ ሓደጋ መኪና ዝኾነ ሰብኣይ ሞይቱ ተባሂሉ ናብ መቐመጢ ሬሳ ምስ ተወስደ ንጽባሒቱ ከተንፍስ ተረኺቡ። ሓሙሽተ ሰዓታት ድሕሪ ብሂወት ምርካቡ ግን ሞይቱ።