ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፖሊስ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣይሁዳውያን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ግብረ ራዕዲ’ዩ ኢሉ

    ኣብ ሰሜን ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ብመጥቃዕቲ ካራ ተጎዲኦም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣይሁዳውያን ደቂተባዕትዮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ስዒቡ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።

    እቶም ክልተ ኣይሁዳውያን ኣብ ሰሜናዊ ለንደን ጎልደርስ ግሪን ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ መጥቃዕቲ ካራ ተፈፂምዎም። ፖሊስ እታ ሃገር፡ እዚ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

    እቶም ግዳያት፡ ወዲ 34 ዓመት ሺሎሜ ራንድን ወዲ 76 ዓመት ሞሼ ሺንን ይበሃሉ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ሻቡ ንሻቡ ሕክምና ክግበረሎም እንከሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኵነታት ይርከቡ።

    ወዲ 45 ዓመት ኣብ ሶማልያ ዝተወለደ ብሪጣንያዊ ውልቀሰብ፡ ብፈተነ ቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር፡ ነዚ “ፀረ ሴማዊ መጥቃዕቲ” “ኣዝዩ ዘሰንብድን ተቐባልነት ዘይብሉን፡” ብምባል ኰኒንዎ።

    ስታርመር ወሲኹ፡ “ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ማሕበረሰብና ዝፍፀም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ’ዩ፡” ኢሉ።

    ፖሊስ ሜትሮፖሊታን፡ ብረቡዕ ‘ሃይፊልድ’ ኣብ ዝበሃል ጐደና መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ሪፖርት ምስ በፅሖ፡ በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቈፃፅራ ሰዓት 11፡16 ፖሊስ ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዝሃቡ ገሊፁ።

    እቲ ጥርጡር፡ ንቕልጡፍ ምላሽ ናብቲ ቦታ ንዝኸዱ ፖሊስ ክወግእ ፈቲኑ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዝወረደ ጉድኣት ግና የሎን።

    ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ማእሰርቲ እቲ ጥርጡር፡ ከምኡ’ውን ፖሊስ ነቲ ውልቀሰብ “ኣብ ባይታ በጥ ክብልን” “ዝሓዞ ካራ ክድርብን” ብተደጋጋሚ እናኣዘዙዎ የርኢ።

    ኮምሽነር ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ሰር ማርክ ሮውሊ፡ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ዘውዓሉ መኰንናት ፖሊስ፡ ኣብቲ ህሞት ዘይተዓጠቑ ምንባሮምን እቲ ጥርጡር ተፈንጃሪ ሒዙ ከይኸውን ሰጊኦም ምንባሮምን ብምግላፅ፡ ንትብዓቶም ንኢዱ።

    እቲ ጥርጡር፡ ድሕረባይታ ከቢድ ዓመፅን ፀገም ጥዕና ኣእምሮን ከም ዝነበሮ ተገሊፁ።

  2. ኤርትራ፡ ንጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ 'ተዅታዅን ዘይሕጋውን' ክትብል ነጺጋቶ

  3. ንመላእ ሃገር ዘሰንበደ ፍጻመ፡ ኣንጸርጺሩ ኣስከሬን ሓብቱ ናብ ባንኪ ዝወሰደ ህንዳዊ

  4. ካብ ጆን ፎስተር ዳላስ ክሳዕ ማሳድ ቡሎስ፡ ዝተሓላለኸ ምዕራፋት ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን

  5. ምስሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፓስፖርት ኣመሪካ ክሕተም እዩ

  6. ህጹጽ ጻውዒት፡ ስዑዲ ዓረብ ን65 ኢትዮጵያውያን ናይ ሞት ፍርዲ ሂባ

  7. ፈረንሳ ዜጋታታ ካብ ማሊ ክወጹ ተማሕጺና

    ጸሊም ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ ዝራኣየላ ርእሰከተማ ባማኮ፡ ነዊሕ ሓወልቲ ዝራኣየሉ ዓቢ ጐዳና ጻዕቂ ሞተርብሽክለታታትን መካይንን ይራኣዮ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ፈረንሳ ዜጋታታ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ካብ ማሊ ክወጹ ጸዊዓ።

    እቲ ሎሚ ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ ፈረንሳውያን ናብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይገሹ'ውን ዝመክር'ዩ።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዕጡቓት ተቓወምቲ ብዘካየድዎ መጥቃዕትታት እታ ሃገር ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣትያ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ርእሰከተማ ባማኮ ድምጺ ተዂሲን ነትጒን ድሕሪ ምስምዑ፡ ሚኒስተር ምክልካል እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ይፍለጥ።

    ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጀነራል ኣኢሚ ጎይታ ግን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተውዎ'ዩ ዝምጉት ዘሎ።

    ንሓይልታት መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ሩስያ ካብታ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ኣትያ ዘላ ሰሜናዊት ከተማ ኪዳል ክወጹ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጦም ነይሮም'ዮም።

  8. ንከይማረኹ ቦምባ ፈንጂሮም ዝተቐትሉ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ 'ጀጋኑ እዮም'- ኪም

    ኪም ጆንግ ኡን ቭላድሚር ፑቲንን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሒ ሰሜን ኮሪያ ነቶም ኣብ ኲናት ዩክረይን ርእሶም ዝቐተሉ ወተሃደራቱ "ጀጋኑ እዮም" ክብል ንኢዱ።

    ኪም ጆንግ ኡን ንዝኽሪ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት እታ ሃገር ንዝተሃንጸ ሓወልቲ ኣብ ዝመረቐሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

    "ነቲ ዓቢ ክብሪ ንምክልኻል ብዘይምውልዋል ርእሶም ብምፍንጃር፡ ከምኡ'ውን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ" ምፍጻሞም ተወፋይነቶም ዘርኢ ምዃኑ'ዩ እቲ ዴሳዊ መራሒ ተዛሪቡ።

    "ካሕሳ ከይተጸበዩ ርእሶም ዝሰውኡን፡ ዓስቢ ከይተጸበዩ ዝተወፈዩን" ይብል ኪም።

    እቶም ወተሃደራት ኣብ ጐኒ ሓይልታት ሩስያ ብምስላፍ'ዮም ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም።

    ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣንድረይ በሎሶቭንተረኺቡ ነይሩ።

    ካብቶም ናብ ሩስያ ዝተላእኩ ኣስታት 15,000 ዝበጽሑ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣስታት 2,000 ኣብቲ ውግእ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ስለያ ደቡብ ኮርያ የመልክቱ።

  9. ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?

  10. ህወሓት፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ

  11. ናሳ ኣብ ወርሒ ዝሃንጾ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ፡ እንተ ተፈንጂሩ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

  12. ኤርትራ፡ እታ ብኣሃዛት ዘይትግለጽ ዘላ 'ምስጢራዊት' ሃገር

  13. ብዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ዝኸኣለት መርከብ ሩስያ

    ናይ ራዳራት ኣብ ጥርዛ ዝተኸለት ክብርቲ ጃልባ 'ኖርድ'

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሓንቲ ብሩስያዊ ቢልየነር እትውነን ዓባይ ጃልባ (ያት) በቲ ኣመሪካን ኢራንን ዓጽየንኦ ዘለዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ።

    እታ 142 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ 'ኖርድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ጃልባ ምስቲ መሓዛ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ኣለክሰይ ሞርዳሾቭ ዝተባህለ ሃብታም ምትእስሳር ከምዘለዋ ይግለጽ።

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ዖማን ከምዝኣተወት'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ላዕለዋይ ልኡኽ ኢራን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዝርከቦም ሰበስልጣን ሩስያ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

    ዋላ'ኳ እቲ ቢልየነር ብቐጥታ ዝውንና እንተዘይኮነት፡ ኣብ ትሕቲ ብዓልቲቤቱ ትውንኖ ትካል ዝተመዝገበት እያ። እታ 500 ሚልዮን ዶላር እትግመትን ሓያሎ ደርብታት ዘለዋን ክብርቲ ጃልባ ብዓርቢ ካብ ዱባይ ተበጊሳ'ያ ናብ ርእሰከተማ ሙስካት ኣትያ።

    ምዕጻው ናይቲ ማሕንቖ ንግዲ ነዳዲን ካልእ ቀመማዊ ቀረባትን ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።

  14. ኣስመራ፡ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰብ ጉድኣት ኣውሪዱ

    ግዳይ ባርዕ ዝኾነ መንበሪ ገዛ

    ምንጪ ስእሊ, MoI/Yohannes Mebrahtu

    ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

    ሓደ ወዲ 36 ከምኡ'ውን ጓል 21 ዓመት ኣብቲ ብሰንበት 26 ሚያዝያ ዘጋጠመ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ።

    ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

    ጠንቂ ናይቲ ኣብ "ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት" ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን 6ይ መደበር ፖሊስ ኣቶ ክብርኣብ ገብረክርስቶስ ሓቢሩ።

    "እቲ ሓደጋ ዝተኸስተ ከባቢ ሰዓት 12:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብዝገበርዎ ርብርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ተኻኢሉ እዩ።

    "እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ጽዑቕ ትኪ፡ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብምዕፋኖም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም ግዳያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣድላዪ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ" ይብል እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ።

    ሕብረተሰብ ምስ ሓዊ ዝተሓሓዝ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ዝተማሕጸኑ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ፡ "ተቓጻሊ ባህሪያት ዘለዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምኽዛን ክቑጠብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።"

    ኣብ ኤርትራ ባርዕ ሓዊ መንበሪ ሳሕቲ ዘጋጥም'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሓሓሊፉ ክርአ ጸኒሑ'ዩ።

    ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

  15. ጥርጡር መጥቃዕቲ ድራር ዋይት ሃውስ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ

    ሰብመዚ ጸጥታ ኮል ኣለን ሒዝዎም ዝነበረ ብረታት ንምርቲት ብምቕራብ ወግዓዊ ክስታት ከምዝመስረቱ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ

    ምንጪ ስእሊ, Inc via Getty Image

    ብረት ሒዙ ናብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ እንግዶት ድራር ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ ክኣቱ ዝፈተነ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ።

    እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቅትለት ክፍጽም ፈቲኑ ዝብል ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ኮል ቶማስ ኣለን፡ ምስ ብረት ዝተሓሓዝ ተወሳኺ ክልተ ክስታት'ውን ቀሪቦምሉ ኣለዉ።

    እቲ ወዲ 31 ዓመት፡ ሓደ 'ሰሚ-ኦቶማቲክ'፡ ሓጺር ብረት፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ካራታት ሒዙ'ዩ ናብቲ ትራምፕ ዝተረኽበሉ እንግዶት ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ ብኣባለት ፍሉይ ሓለዋ ፕረዚደንት (ሲክረት ሰርቪስ) ተታሒዙ።

    ኣብቲ ፍጻመ ብጥይት ዝቖሰለ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ፡ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ይፍለጥ።

    እቲ ነባሪ ካሊፎርንያ ዝኾነ ጥርጡር በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ንሕልፈት ክፍረድ ይኽእል'ዩ።

    ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ ባዕሉ፡ ደገፍቱን ተቓወምቱን፡ ከምኡ'ውን ናብ ጋዜጠኛታት ዘነጻጸረ ዋዛታት ክወርውረሉ ዝተሓሰበ ዓቢ ናይ ዳእላ ምሸት ክስረዝ ከምዝተገደደ ይዝከር።

  16. ኣመሪካ “ሽፍትነት ባሕሪ” ትፍጽም ኣላ - ኢራን

    ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ጎደና መካይንን ሓንቲ ሒጃብ ዝተኸድነት ጓል ኣንስተይትን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓንቲ ናይ ኢራን መርከብ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእትያ።

    ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ኣመሪካ ስጕምቲ “ሽፍትነት ኣብ ባሕሪ” ክብል ገሊጽዎ።

    "እንቋዕ ናብ ሽፍትነት ባሕሪ ብደሓን መጻእኩም። ሕጂ ወግዓዊ መንግስታዊ ፍቓድ ዘለዎ፡ ባንዴራኡ ብግልጺ ዘንበልብል፡ ገበኑ ድማ 'ምኽባር ሕጊ' ብዝብል ስም እዩ ዝፍጸም ዘሎ" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ነቲ ናይ ኣመሪካ ስጕምቲ ኮኒኑ።

    ብተወሳኺ እቲ ስጕምቲ “ዓለምለኻዊ ሕግን መትከላት ዓለማዊ ናጻ ንግድን ዝጥሕስ” ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ወሃቢ ቃል ነዚ ዝብል ዘሎ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ጂኒን ፌሪስ ፒሮ፡ እታ መርከብ ኣብ ቍጽጽር ክትኣቱ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

  17. ኣብ ድራር ዋይት ሃውስ ተዅሲ ዝኸፈተ ጥርጡር ብፈተነ-ቅትለት ተኸሲሱ

    ኮል ቶማስ ናይ ምርቓት ጋዋን ለቢሱ

    ምንጪ ስእሊ, LinkedIn / Cole Tomas Allen

    ዋይት ሃውስ ብቐዳም ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር፡ ኣብቲ ሆቴል ተዅሲ ብምኽፋቱ ዝተታሕዘ ኮል ቶማስ ኣለን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ-ቅትለት ብምፍጻም ተኸሲሱ።

    እቲ እቲ ወዲ 31 ዓመት ኮል፡ ኣብ ውሽጢ ሆቴል ዋሽንግተን ሂልተን ብወከልቲ ጸጥታ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ዕላማኡ ንሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ንምቕንጻል ምዃኑ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሲቢኤስ የመልክት።

    ነቲ ናይ ጸጥታ መፈተሺ ነቝጣ ክሓልፍ እንከሎ፡ ሓውሲ ኣውቶማቲክ ሽጉጥ፣ ሻትጋንን ሰለስተ ካራን ሒዙ ከምዝነበረ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

    ኣብቲ ዝተፈጸ መጥቃዕቲ ሓደ ወኪል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ብጥይት ተሃሪሙ ነይሩ፤ ግን ብኸቢድ ኣይተጎድአን።

    ኮል ቶማስ ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረድ ተኽእሎ ኣሎ።

  18. ካብ ስደት ናብ ጥርሑ ቤት፡ ሚልዮናት ሱዳናውያን ዝጽበዮም ዘሎ እንታይ እዩ?

  19. ብድሆ ሩስያ ኣብ ማሊ፡ ካብ ዋግነር ናብ ኮርፕስ ኣፍሪቃ

  20. ኣብ ዛዕባ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ እንታይ ይበሃል ኣሎ?