ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ስርሒት ሓርነት፡ ብዛዕባ ፈተነ ምስባር ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ እንታይ ንፈልጥ?

  2. መቐለ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ነትጒ ተሰሚዑ

    ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዘገረማ ከተማ መቐለ

    ምንጪ ስእሊ, DT

    ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ፅርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    እቲ ሎሚ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡30 ብኣቆጻጽራ መቐለ (8፡30) ዝተፈንጀረ ናይ ኢድ ቦምባ ምዃኑ በቲ ዝተረኽበ ኣሰር ቀለበት ከምዘረጋገጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ገሊፁ።

    ኣብ ሰብ ዝበፀሐ ሓደጋ ከምዘየለ ዝገለፀ ፖሊስ መበገሲ እቲ ምፍንጃር ንምፍላጥ የፃሪ ምህላዉ ይገልፅ።

    ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብቲ ከባቢ ገለ ዕጡቓት ጥቡቕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

    ብሰንኪ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደን ህወሓትን ምትፍናን ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብምዃኑ እቲ ነትጒ ስንባደ ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ።

    ህወሓት ስልጣን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክምለስ ክጠለብ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣኑ ዝተናወሓሉ ጀነራል ታደሰ ብወገኑ ንድሕሪ ምምላስ ኣየድልን ብምባል ተቓውሞኡ ኣነጺሩ ኣሎ።

    ገለ ምንጭታት ሎሚ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝተመረፀ ክልላዊ ባይቶ ፅባሕ ብዕሊ ከምዝስየም የመልክት።

    ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝፈረሰ ብምግላፅ ዕድመ ጊዜያዊ ምምሕዳር ከምዘብቅዕ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

    ከም ውፅኢቱ ድማ እቲ ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ተወዚፉ ዝፀንሐ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ካብዚ ብምብጋስ እቲ ነባር ባይቶ ክልል ትግራይ ፅባሕ ብወግዒ ኣኼባኡ ኣብ መቐለ ንምጅማር ኣባላት እቲ ባይቶ ንመቐለ ኣትዮም ክሓድሩ ከምዝተነገሮም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

    ኣብ መስከረም 2020 (2013) ዝተኻየደ ብፈደራላዊ ኣፍልጦ ዝተነፍጐን ህወሓት ዝተዓወተሉን መረጻ ሓደ ካብ ጠንቂታት እቲ ደማዊ ኲናት ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

    ህወሓት ነዚ ስጉምቲ ብምውሳድ ንጀነራል ታደሰ ብሓይሊ እንተ ኣልይዎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ክወሃብ ዝኽእል ምላሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ሻቕሎት ዝፈጥር ኩነታት ኮይኑ ኣሎ።

    ምስ ህወሓት ዘይተቓደወን ካብቲ ውድብ ተፈንጪሉ ዝወጸን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ተደፊኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝወጸ ይዝከር።

  3. ኢማራት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ትኸውን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንጃላቡ ኢራን የጥቅዕ

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ወደብ ነዳዲ ዒላማ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    ኣብቲ ኣብ ፉጃይራ ዝርከብ መደበር ነዳዲ፡ ዓቢ ሃልሃልታ ባርዕ ሓዊ ከምዝተራእየ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ይሰርሑ ከምዘለዉ ብመንግስቲ ፉጃይራ ዝመሓደር ሚድያ ገሊጹ።

    ፉጃይራ፡ ኣብታ ሃገር ዝዓበየት ወደብን ነዳዲ ዝኽዘነላን ምዃና ይፍለጥ።

    ብኻልእ ወገን፡ ብኣንፈት ኢራን ዝተበገሰ ሚሳይላት'ውን ናብ ኢማራት ከምዝተወንጨፈ ተገሊጹ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ጸረ-ኣየር ሰለስተ ሚሳይላት ኣበርዒኖም ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናኣሽቱ ጃላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓቢሩ።

    ሓይልታት ኢራን ንገለ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ንምዕጋት ናይ መጠንቀቕታ ጠያይት ከምዝተኮሱ ድሕሪ ምግላጾም'ያ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ትገልጽ ዘላ።

    እዚ ሎሚ ዝተራእየ ነቲ ወጥሪ ዘጋድድ ሓድሽ ምዕባለታት እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ጸኒዑ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተዂሲ ብምጥሓስ ናብ ደግሲ ተጻብኦታት ከይምለሱ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

    ድሮ እቲ ክወርድ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዋጋ ነዳዲ ድሕሪ'ዚ ምዕባለታት መሊሱ ክንህር ጀሚሩ ኣሎ።

  4. ኢራን ንመግለጺ ሰራዊት ኣመሪካ ትነጽግ

    ኣብ ሓደ ከባቢ ዝተኣከባ መራኽብ ንግዲ

    ምንጪ ስእሊ, ISNA/WANA/Reuters

    መራኽብ ኲናትን ንግዲን ብደገፍ ሓይልታት ኣመሪካ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከምዝሓለፋ ዝሕብር መግለጺ ሰራዊት ኣመሪካ "ጠቕሊሉ ቅኑዕ ኣይኮነን" ክትብል ኢራን ምላሽ ሂባትሉ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ክልተ ባንዴራ ኣመሪካ ዝሰቐላ መራኽብ ንግዲ በቲ መጻብቦ ከምዝሓለፈ ገሊጹ ነይሩ።

    ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ዝሃቦ ሓበሬታ "ውጹእ ሓሶት" እዩ ክብሉ ነጺጎም።

    "መራኽብ ንግዲ ይኹን ነዳዲ" በቲ ወሽመጥ ከምዘይሓለፋ ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝወጸ ካልእ ሓበሬታ የረድእ።

    ብዘይካ'ዚ 'ዲስትሮየርስ' ዝተባህላ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ'ውን በቲ መጻብቦ ሓሊፈን ናብ ወሽመጥ ኣትየን ከምዘለዋ ዋሽንግተን ሓቢራ ነይራ።

    ሰራዊት ኢራን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ኣንፈት ናይተን ራዳር ብምጥፋእ ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ጥይት ከምዝተኮሰ ኣፍሊጡ።

  5. ናይጀርያ ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተውጽእ ትዳሎ ኣላ

    በትሪ ብሄረ ዙሉ ዝሓዘ፡ 'ንመርሽ መሊስና ንመርሽ ክሳብ ንዕወት" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ማልያ ዝገበረ ሰብ ዝርከቦም ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ጆሃንስበር ሰለማዊ ኣሰልፊ እናካየዱ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝነብሩላ ጆሃንስበርግ'ውን ኣብ ሚያዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ተቓውሞታት ኣአንጊዳ እያ

    በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታት ዝሰግአት ናይጀርያ ዜጋታታ ንምውጻእ ውጥን ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቢያንካ ኦዱመግዉ ከምዝበለቶ፡ ዛጊት 130 ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምውጻእ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ቦላ ቲኑቡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝካየድ ዘሎ "ጽልኢ ወጻእተኛታት፡ ዘረባታት ጽልኢን ጸረ-ስደተኛታት ዝኾነ ተዃሳሒ መግለጺታትን" ዝደረኾ ጎነጽ ከምዝኾነነ'ውን እታ ሚኒስተር ኣመልኪታ።

    በቲ ኩነታት ዝተቖጥዐት ኣቡጃ ንኣምባሳደር ፕሪቶርያ ኣብ ናይጀርያ ብምጽዋዕ ተቓውሞታታ ገሊጻ ኣላ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንወጻእተኛታት፡ ብፍላይ ንኣፍሪቃወያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታትን ጓስጓሳትን ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ብዙሓት ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከብዎም ስደተኛታት'ውን ግዳይ ሞት ኮይኖም እዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣንጻር ስደተኛታት ጐስጓሳት ክካየድ ቀንዩ'ሎ።

    ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያን ዓባይ ከተማ ጆሃንስበርግን ብገለ ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ውዳቤታትን፡ ከምኡ'ውን ፖለቲከኛታት ዝተደፋፍኡ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት" ካብታ ሃገር ክወጹ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ቀንዮም።

    እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኣት ስደተኛታት (ዜኖፎቢያ) ናብቶም ወግዓዊ ሰነድ ዘይምብሎም ስደተኛታት ጥራይ ዝቐንዐ ኣይኮነን፣ መንበሪ ፍቓዱ ብዘየገድስ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ወይ ኤስያዊ ወጻእተኛ ግዳይ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።

    ብኣሚት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባን ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘለዉ ይንገር።

  6. ሰራዊት ኣመሪካ፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ወተሃደራትን 100 ነፈርትን ን'ፕሮጀክት ሓርነት' ከምዝድግፋ ገሊጹ

    ኣብቲ ትራምፕ ዝኣወጆ ንዝተዓግታ መራኽብ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዓይነት ወተሃደራዊ ወፍሪ "ፕሮጀክት ሓርነት" ንምድጋፍ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ወተሃደራትን 100 ነፈርትን ከም ዘዋፍር ማእከላይ እዚ (ሴንትኮም) ገሊጹ።

    እቲ እዚ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሓይልታት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ጕዕዞ ንግዳዊ መራኽብ ውሑስ ንምግባርን ናጽነቱ ንምምላስን፡ ካብ 4 ግንቦት ንፕሮጀክት ሓርነት ምድጋፍ ክጅምሩ እዮም” ይብል።

    እዚ ደገፍ 15 ሽሕ ኣባላት፡ ሚሳይላት ዝዓጠቓ መራኽብን፡ ልዕሊ 100 ነፈርትን ዘጠቓልል እዩ።

    ሴንትኮም "ርብዒ ካብ ንግዲ ነዳዲ ዓለምን ብዙሕ መጠን ፍርያት ድኹዒን በቲ መጻብቦ ይጓዓዝ” ይብል።

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ወተሃደራትን 100 ነፈርትን ን'ፕሮጀክት ሓርነት' ከምዝድግፋ ገሊጹ

    ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

  7. ትራምፕ፡ ‘ፕሮጀክት ሓርነት መራኽብ’ ካብ መጻወድያ ሆርሙዝ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ሰኑይ ጀሚራ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝተዓግታ መራኽብ ንምውጻእ ኣመሪካ ክትሕግዝ ምዃና ገሊጹ።

    “ንጽቡቕ ኢራን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣመሪካን፡ ነዘን ዝተዓግታ መራኽብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ካብዚ መጻብቦ ብሰላም ከነውጽአን ምዃንና ሓቢርናየን ኣለና፡” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ፤ ኣየኖት ሃገራት ከም ዝሕገዛ ግን ኣይገለጸን።

    ትራምፕ ኣብቲ “ፕሮጀክት ናጽነት” ክብል ዝጸውዖ መስርሕ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ብሓይሊ ከም ዝፍታሕ ኣፈራሪሑ’ሎ።

    ኢራን፡ እቲ ኲናት ኣብ ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ በቲ ዓቢይ ዓለምለኻዊ መስመር ማይ ኣቢለን ንዝሓልፋ መራኽብ ደሪታቶ ጸኒሓ እያ።

    ኣመሪካ ብወገና ኣብ ወደባት ኢራን ዕግታ ሓይሊ ባሕሪ ኣጽኒዓ ኣላ። ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ኢራን ኢብራሂም ዓዚዚ፡ “ዝኾነ ምትእትታው ኣመሪካ ከም ምጥሓስ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ” ከም ዝቝጸር ኣፍሊጡ።

    ኣብቲ ትራምፕ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ወከልቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን “ኣዝዩ እወታዊ” ዘተ ይገብሩ ከምዘለዉን፡ እቲ ዝርርብ “ንዅሉ ኣዝዩ እወታዊ ነገር ከምጽእ ከምዝኽእልን” እውን ገሊጹ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ እቲ ስርሒት ኣየኖት ሃገራት ከይዘርዘረ፡ ብስም ኣመሪካ፡ ኢራንን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝግበር “ሰብኣዊ ምልክት” ክኸውን’ዩ ኢሉ።

    ምስ ቴህራን ዝግበር ምትሕብባር ብኸመይ ከም ዝመሓደር ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን። ትራምፕ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኵሉ ኵነታት፡ እቲ ከባቢ ንመጓዓዝያ ባሕሪ ውሑስ ክሳብ ዝኸውን ንድሕሪት ከምዘይብሉ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ኵሉ... ምንቅስቓስ መርከብ ፍጹም ጉድለት ንዘይገበሩ ሰባት፡ ኩባንያታትን ሃገራትን ሓራ ንምውጻእ ጥራይ” ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

  8. ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጠፍአ ሰብ ንምድላይ ሓራግጽ ናብ ዝመልኦ ሩባ ወሪዶም

  9. ሶማልያ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብቐርሰንቲ ተጨውያ

  10. ፍቕሪ ከምዝሓዘና ብኸመይ ንፈልጥ?

  11. ወርሒ ካብ መሬትና ትርሕቕ ኣላ፡ ህይወትና በዚ ብኸመይ ክጽሎ'ዩ?

  12. እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም

  13. ትራምፕን መርዝን፡ ኣመሪካ 5000 ወተሃደራታ ከተጕድልያ እያ - ዘፋጥጦም ዘሎ ግን እንታይ'ዩ?

  14. ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣርባዕተ ሃገራት ካብ ኣመሪካ ናብ ካሜሮን ተሰጒጐም

  15. ምስሕሓብ ትራምፕን ኮንግረስን፡ ስልጣን ምቕጻል ውግእን ጉዳይ ምቍራጽ ተዅሲን

  16. ቅልውላው ትግራይ፡ ኣውሮጳ 'ኣዝዩ ኣሰካፊ' - ብሪጣንያ 'ዞባዊ ሓደጋ' ክብላ ኣጠንቂቐን

  17. ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ መንጎ ንጉሳዊ ውርሻን ስትራተጅያዊ ብድሆታት ኤርትራን

  18. ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ ስለምንታይ ሓደ ግንቦት ይዝከር?

  19. ሓንቲ ኣንስተይቲ ብሓደ ግዜ ካብ ክልተ ተባዕትዮ ክትጠንስ ትኽእል ድያ?

  20. ቅትለት ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ - መንግስቲኸ እንታይ ይብል?