ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መስራቲ ሲ-ኤን-ኤን ቴድ ተርነር ዓሪፉ

    ቴድ ተርነር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መስራቲ ኣመሪካዊ ትካል ተለቪዢን ሲ-ኤን-ኤን (CNN) ኣብ መበል 87 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ቴድ ተርነር ኣብ 1980 ንፈለማ እዋን ናብ ዜና ጥራይ ዘድሃበ ፈነወ ተለቪዢን (Cable News Network) ዝመስረተ ብምዃኑ'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ።

    እቲ መደበር ኣብ መጀመርያ ሰንከልከል ኣጋጢምዎ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብ 1981 ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ፕረዚደንት ነበር ሮናልድ ሬገን፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1986 ዘጋጠመ ሓደጋ መንኮርኮር ናሳ ('ቻለንጀር') ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ናብ ተኸታተልቲ ከብጽሕ ብምኽኣሉ ተፈላጥነቱን ተቐባልነቱን እናዓበየ ከይዱ።

    ነቲ ካብ 1990 -1991 ዝተኻየደ ኲናት ወሽመጥ (ንሓይልታት ዒራቕ ካብ ኲዌት ንምውጻእ ዝተኻየደ) ካብ ዓውደ-ውግእ ዝሃቦ ሸፈነ'ውን መሊሱ ንክዓቢ ድርዒ ኮይንዎ'ዩ።

    ተርነር፡ ነቲ ወላዲኡ ርእሰ-ቅለት ምስፈጸመ ዝተረከቦ ናይ ምውዕዋዕ ትካል ናብ ንእሽቶ መደበር ራድዮ ብምቕያር'ዩ ናብ ሚድያ ዓለም ተጸንቢሩ።

    "ቴድ፡ ውፉይን ተባዕን መራሒ'ዩ" ክብል ዝገለጾ ህሉው ኣቦመንበርን ዋና ኣካያዲን ሲ-ኤን-ኤን ማርክ ቶምሶን "ኣዛዚ መንፈስ ሲ-ኤን-ኤን ዝነበረን ወትሩ ኮይኑ ዝቕጽልን እዩ ነይሩ" ብምባል ንኢዱ።

  2. ዝቕበላ ስኢና ዝቐነየት መርከብ ዙረት ናብ ወደብ ክትኣቱ ተፈቒዱላ

    ነፋሪት ኣምቡላንስ እናዓለበት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ብነፋሪት ኣምቡላንስ ናብ ሆላንድ ተወሲዶም ኣለዉ

    እታ ብሓደ ቀታሊ ቫይረስ ተጠቒዓ እትርከብ መርከብ 'ኤም-ቪ ሆንዲዩስ' ዝቕበላ ስኢና ቀንፈዘው ክትብል ድሕሪ ምቕናያ ናብ ሓደ ወደብ ስጳኛ ክትኣቱ ተፈቒዱላ ኣሎ።

    ኣብታ ናይ ዙረት መርከብ (ክሩዝ) ካብ ዝነበሩ ኣስታት 150 ገያሾ ዛጊት ሰለስተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ሓደ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝቐነየ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ሓኪም'ውን ሎሚ ብፍሉይ መጓዓዝያ ናብ ሆላንድ ይውሰድ ከምዘሎ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከብ'ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

    እታ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተበጊሳ ንሰሜን ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ውሽጣ ለበዳ 'ሃንታቫይረስ' ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ በቲ ሕማም ክጥቅዑ ጀሚሮም።

    ሓደ ኣብ ፍርቂ-መንገዲ እንከላ ክመውት እንከሎ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወስዱ ክልተ ሰብሓዳር ድማ ኣብ ጆሃንስበር ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    ኣብ ከባቢ ናይታ ኣብ ማእከል ውቅያስ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኬፕ-ቨርደ ምስ በጽሐት፡ ናብ ወደብ ክትጽጋዕ ጠለብ'ኳ እንተቕረበት፡ ነቲ ለበዳ ዝሰግኡ ሰብመዚ እታ ሃገር ንሕቶኣ ኣይተቐበልዎን።

    ክልተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉን "ኣብ ሕማቕ ኩነታት" ኣለዉ ዝተባህሉን ሰባት ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ መርከብ ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ።

    ብኩነታት እቶም ዜጋታት 23 ሃገራት ዝኾኑ ገያሾ ዝሰግአ መንግስቲ ስጳኛ ብወገኑ፡ ናብተን ኣካል እታ ሃገር ዝኾና ደሴታት ካናሪ ክትጽጋዕ ከምእትኽል ኣፍሊጡ። እንተኾነ ፕረዚደንት ናይታ ደሴት ብተመሳሳሊ ስግኣት ንትእዛዝ ማእከላይ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ናብ ወደባቱ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጡ።

  3. ግዳይ ቀታሊ ቫይረስ ዝኾነት መርከብ ናብ ወደብ ክትኣቱ ተፈቒዱላ

  4. ኢራን፡ ንምቍራጽ ‘ወፍሪ ሓርነት’ ከም ዓወት ክትገልጾ ትኽእል እያ

    ኢራን፡ ንምቍራጽ ‘ወፍሪ ሓርነት’ ከም ዓወት ክትገልጾ ትኽእል እያ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እቲ ዶናልድ ትራምፕ "ወፍሪ ሓርነት" ንግዚኡ ከም ዝቋረጽ ዘመሓላለፎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሑፍ ንብዙሓት ዘገረመ ኰይኑ ኣሎ።

    እዚ ውሳነ እዚ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰትን ኣቦ-መንበር ኢታማዦር ሓባራዊ ሰራዊት ጀነራል ዳን ኬይንን፡ እቲ ስርሒት ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝን ወሽመጥ ፋርስን ናጽነት ዳህሳስን ንግድን ዘውሕስ ምዃኑ ክገልጽዎ ምስ ዝውዓሉ መልእኽትታት ዝጋጮ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

    ቀጺሉ ዝኸውን ነገር ገና ንጹር ኣይኰነን።

    ቀዲሙ ከምዝተገልጸ፡ "ወፍሪ ሓርነት" ካብቲ ንኢራን ብቝጠባዊ መዳይ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ዕጽዋ "ዝተፈልየን ነጻን" ወፍሪ እዩ።

    ዕላማ እዚ ወፍሪ ድማ ካብቲ ዞባ ዝርከብ ቀረብ ነዳዲ ዳግማይ ምውሓስን ብኡ ኣቢሉ ድማ ዓለምለኻዊ ቍጠባ ናብ ንቡር ኵነታቱ ንምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።

    ኣብዚ ናይ "ምቍራጽ" ግዜ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት መጓዓዝያ ባሕርን ትካላት መድሕንን ብሰንኪ ኢራን ክንቀሳቀሱ ከም ዘይክእሉ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ትራምፕ ነቲ ሸቶ ተወቒዑ እዩ ክብል ዝቕርቦ ጥርዓን ክቕበሉዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

    በቲ ካልእ ወገን ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኢራን ብጽኑዕ ዝተቓወመቶ "ወፍሪ ሓርነት" ምቍራጹ፡ ንኢራን ዳግም ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ ከም ጽቡቕ ድሌት ክርአ ተስፋ ይግበር።

    ክሳብ ሽዑ ግና፡ ኢራን ነዚ ምቍራጽ ስርሒት ከም ዓወት ክትገልጾ ተኽእሎ ኣሎ።

  5. ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ኢራንን ኣብ በይጂን ተራኺቦም

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ምስ መዘንኡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ብረቡዕ ኣብ በይጂን ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም።

    ማዕከን ዜና ሺንሁዋ ነዚ ሓበሬታ እኳ እንተ ሓበረት፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተኻየደ ዘተ ግና ኣይገለጸትን።

    ቀዲሙ ብወኪል ዜና ኢራን (ፋርስ) ዝተሓበረ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣራግቺ ምስ ዋንግ ዪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ "ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናታት ከምኡ’ውን ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ክመያየጥ፡" ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።

    ጕዕዞ ኣራግቺ ናብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንምርኻብ ንዝመጽእ ሰሙን ናብ ቻይና ክገብሮ ካብ ዝተሓሰበ ምብጻሕ ኣቐዲሙ እዩ።

    ምምሕዳር ትራምፕን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም፡ ትራምፕ ነቲ ክገብሮ ዝነበሮ ጕዕዞ ኣደናጕይዎ ጸኒሑ እዩ።

  6. ኣመሪካ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጃብ ክግበር ዘጸንሐ ስርሒት ኣቋሪጻቶ

    መራኽብ ኣብ ማይ እናኣንሳፈፋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጃብ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት፡ ክልተ መዓልቲ ከይገበረት ኣቋሪጻቶ።

    እንተዀነ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ጸኒዑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ነዚ ውሳነ ዘመሓላለፈ፡ እታ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ከም ሸምጋሊት ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ፓኪስታን ብዘቕረበትሉ ሕቶ መሰረት ምዃኑ ሓቢሩ።

    እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ምስ ቴህራን "ምሉእን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ንምብጻሕ ዓቢ ስጕምቲ ስለ ዝተገብረ" ምዃኑ ገሊጹ።

    ወግዓዊ መራኸቢብዙሓን ኢራን ብወገኖም፡ ትራምፕ ነቲ ዓለምለኻዊ መስመር ማይ ንምኽፋት ዘጋጠሞ "ተኸታታሊ ውድቀታት" ስዒቡ፡ እቲ ስጕምቲ ከም "ምንስሓብ" ገሊጾምዎ።

    ትራምፕ ነቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕባሩ ቍሩብ ኣቐዲሙ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ እቲ "ስርሒት ኤፒክ ፉሪ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ሸቶኡ ስለ ዝወቕዐ "ተዛዚሙ" እዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

  7. ሱዳን፡ ንምንታይ ንኢትዮጵያን ኢማራትን ትኸሰን ኣላ?

  8. ኣመሪካ ንእገዳ ኤርትራ ከተልዕሎ እያ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ

  9. በይናዊ ምቁራጽ ዝኣወጃ ተዂሲ ሩስያን ዩክረይንን ይጠቓቕዓ

    ብባርዕ ሓዊ ንእትቃጸል ቦጥ ንምጥፋእ ዝጽዕሩ መጥፋእቲ ሓዊ

    ምንጪ ስእሊ, DSNS Ukraine

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ገሊጾም።

    ክልቲአን ሃገራት ነናተን እማመ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ። ዩክረይን ብወገና ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ሩስያ ሓቢሮም።

    ሞስኮ፡ ዝመጽእ ዓርቢን ቀዳምን በይናዊ ምቊራጽ ከምዝኣወጀት ብምፍላጥ፡ ዩክረይን እንተ ጥሒሳቶ ዓቢ ደብዳብ ሚሳይላት ከምእተካይድ ኣጠንቂቓ'ላ።

    ኪቭ ብወገና፡ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ለይቲ ጀሚራ ገደብ ኣልቦ ምቁራጽ ተዂሲ ከምእትገብር ኣፍሊጣ'ላ።

  10. 'ኢራን ዕድል የብላን፡ ሃልይዋ እውን ኣይፈልጥን' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቅድሚ ሒደት ደቃይቕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ፡ ምስ ጉዳይ ኢራን ኣብ ዘይተኣሳሰር መደብ ክዛረብ ዝጸንሐ ትራምፕ፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጥቃስ ፡ "ኢራን ዕድል የብላን። ሃልዩዋ እውን ኣይፈልጥን። ይፈልጥዎ እዮም። ክዛረቦም ከለኹ ይነግሩኒ እዮም። ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም ግን ጽቡቕ ኣለና ይብሉ" ክብል ተዛሪቡ።

    ወሲኹ እውን "ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክህልዋ ኣይነፍቅድን ኢና" ብምባል፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየርን መራሕትን ኢራን ደምሲሳቶ ኣላ ብምባል ነቲ ወትሩ ዝደጋግሞ ሓረግ ኣስሚዑ።

    እቲ ፕረዚደንት ‘ኣመሪካ ኣብቲ ኹናት እንተዘይትወፍር "ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘለዋ ኢራን ምሃለወትና" ብምባል "ምናልባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩላትና ኣብዚ ኣይምሃለናን" ኢሉ ናብ ኲናት ምእታዎም ምኽኑይ ምዃኑ ክምጉት ተሰሚዑ።

    ኣመሪካን ኣውረጳዊ ሕብረትን ካብ 2010 ኣትሒዘን ኢራን ኑክሌራዊ ቦንባ ንምምዕባል ትጥቀመሉ ኣላ ብዝብል ጥርጠራ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢረን ነይረን። እንተኾነ ኢራን ኑክሌራዊ ፕሮግራማ ንሲቪላዊ ዕላማ ምዃኑ እያ ትምጉት።

    እቲ ፕረዚደንት ፡ኢራን "ናብ ኣብ ቅድሚት መዳፍዕ ዘለወን ንኣሽቱ ጀላቡ ተመሊሳ ኣላ" ብምባል ኣመሪካ "ድሂኻታ" እያ ይብል።

    ዋሽንግተን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንናእሽቱ ጀላቡ ኢራን ድሕሪ ምጥቃዓ'ዩ፡ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ማሕበራ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ዘውጽኦ ጽሑፍ'ዩ፡ "ሸውዓተ ንኣሽቱ ጀላቡ ወይ ከምቲ ኣጸዋውዖኦም ፈጣናት ጀላቡ’ ሃሪምናየን ኣለና" ኢሉ።

    ኣብ ቤት ጽሕፈቱ 'ኦቫል ኦፊስ'፡ ኢራን ነቲ ኲናት ብ159 መራኽብ ከም ዝጀመረቶ ዝገልጽ ትራምፕ፡ "ኩለን ዝነበራኦም መራኽብ ኣብ ትሕቲ ማይ ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ ይቕበራ ኣለዋ" ክብል'ውን ተነይቱ ኣሎ።

  11. ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ገሊጾም

    ኣብ ጐኑ ኣርማ ፐንታጐን ዝርአ ጀነራል ዳን ኬን ጋዜጣዊ መብርሂ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ረጽሚ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ኣፍሊጦም።

    ሎሚ ኣብ ዋሽግንተን ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ጸሓፊ ክፍሊ ኲናት (ምክልኻል) ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተዂሲ ኢራን ልዕሊ 10 ግዜ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሶም።

    ጸሓፊ ፒት ሄግሰት ከምዝብሎ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ንምስናይ "ቀይሕ፡ ጻዕዳን ሰማያዊን ጽላል" ከምዝመስረቱ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ኣብ ፐንታጐን ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝተሳተፈ ኣቦመንበር ሓለቓታት ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬን ብወገኑ፡ "ኢራን ንመስመር ቀረባት ዓለም ከም ኣጽዋር ብምጥቃም . . . ንቁጠባ ዓለም ጅሆ ሒዛቶ ኣላ" ክብል ከሲሱ።

    ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓልፉ ዝተዓግቱ 22,500 ባሕረኛታትን 1,550 መራኽብ ንግዲን ኣብ ወሽመጥ ይጽበዩ ከምዘለዉ'ውን እቲ ጀነራል ጠቒሱ።

  12. ሊባኖስ፡ ሰላማውያን ነበርቲ ኣባይቶም ራሕሪሖም ይወጹ

    ግንቦት 5፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ካብ ዝርከባብ ዓድታት ትኪ ክዓግግ ይርኤ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ ንብዙሓት ቁሸታትን ከተማታትን ሊባኖስ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ነበርቲ ነዚ ትእዛዝ ምስ ዝረኽቡ ድማ ይትረፍ መዓስ ይምለሱ፡ ምምላሶም ብዓቢኡ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ።

    ትማሊ ሓያሎ ዓድታት ክወጻ ትእዛዝ ምቕባለን ስዒቡ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ተወሳኺ መጠንቀቕታታት ሂቦም ነይሮም።

    ይኹን እንበር እስራኤላውያን ዶባቶም ንምሕላው ነቲ ከም መከላኸሊ ዞባ ዝእውጅዎ ከባቢታትን እናስፍሑ ይቕጽሉ ብምህላዎም፡ ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ትእዛዛት እዚ ኣብ ውሽጢ "ብጫ መስመር" ከምዘሎ ኣብ ዘይተኣወጀ ከባቢታት እዩ ዝፍጸም ዘሎ።

    እስራኤላውያን ንመሰረተ ልምዓትን ኣባላት ሕዝቡላህን የጥቅዑ ከምዘለዉ እኳ እንተገለጹ፡ ንኣሃዛትን ቁጽርን ኣስማትን ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት እንተርኢና፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ሲቪላውያን እዮም።

    ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከቡ ዓድታት ምስ ኣባይቶም ክዓንዉ እንከለዉ፡ ገለ ከተማታት ሙሉእ ብሙሉእ ስለዝፈረሳ፣ እዞም ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ከባቢታት ደጊም መንበሪ ኣይክኾኑን እዮም ዝብል ስግኣት ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።

    እስራኤላውያን ዝኾነ ሰብ ክምለስ ከምዘይክእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ሊባኖሳውያን ግን ዝጸንሕሉ ቦታውን ስለዘይብሎም ክምለሱ ይደልዩ።

    እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

  13. ክሲ ሱዳንን ምላሽ ኢትዮጵያን

    ኣቢይ ኣሕመድን ጀነራል ኣልቡርሃንን ምስ ሰበስልጣናቶም ኣብ ፖርት ሱዳን

    ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia

    መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ከሲሳ።

    እታ ካብ ከተማ ባህርዳር ተበጊሳ ዝበላ ድሮን ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዒላማ ከምዝገበረት'ዩ እቲ ብወገን ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቅስ።

    ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ "መሰረት ዘይብሉ" ክሲ "ብትእዛዝ ሓይልታት ወጻኢ ዝቐረበ እዩ" ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽሎ መግለጺ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ዶባት ኢትዮጵያ ብወገን ሱዳን ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።

    "እዞም ተጻብኦታት እዚኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን ሰበስልጣን ሓይልታት ሱዳን ዝቐረበ ተደጋጋሚ ክስታታትን፡ ብድፍኢት ናይ ባዕሎም ተጻባኢ ኣጀንዳ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተገብረ'ዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ።

    ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ'ውን ከይጸወዐት ኣይሓለፈትን።

    እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ "ብዘይ ግብረመልሲ ከምዘይሕለፍ" ዘጠንቀቐት ካርቱም፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣምባሳደራ ከምዝጸውዓቶ ኣፍሊጣ'ላ።

    ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብ/ጀነራል ኣሲም ዓዋድ ዓብደልዋብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሙሂ ኣል-ዲን ሳልምን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ነቶም ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ይድግፋ ኣለዋ ክብሉ'ውን ከሲሶም ኣለዉ።

    ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ከምእትድግፍ እትኽሰስ ኢማራት፡ ነቲ ዝቐርበላ ሓያል መርትዖታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  14. ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ስልጣን ተመሊሱ

  15. ካናዳ፡ ሓደ ወላዲ ንደቁ ብምቕታሉ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ

  16. 'ናብ ኲናት ሸታሕ ኢልና ክንኣትወሉ ኣብ እንኽእል ኵነታት ኣለና' ጀነራል ታደሰ

  17. መራሒ ወተሃደራዊ ጕጅለ ማሊ ንባዕሉ ምኒስተር ምክልኻል ሸይሙ

    ጀነራል ኣሲሚ ጎይታ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መራሒ ወተሃደራዊ ጕጅለ ማሊ ጀነራል ኣሲሚ ጎይታ፡ ምኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ብዓል-ስልጣን ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ንባዕሉ ምኒስትሪ ምክልኻል ኰይኑ ተመዚዙ።

    እዚ ስጕምቲ ዝተወሰደ፡ ጥምረት ጅሃዳውያንን ዕጡቓት ተገንጸልትን ኣብ መላእ ሃገር ዘካየዱዎ ወራር ንድሕነት እታ ሃገር ኣብ ስግኣት ኣብ ዘውደቑሉ እዋን እዩ።

    ኣብቲዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ሳድዮ ካማራ ኣብ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ብዝተፈጸመ ናይ መኪና ነታጕ ተቐቲሉ።

    ሰኑይ ብመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተነበ ኣዋጅ፡ ጎይታ ንካማራ ተኪኡ ምኒስትሪ ምክልኻል ክኸውን እንከሎ፡ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ኡማር ዲያራ ድማ ምክትል ምኒስተር ኰይኑ ተመዚዙ ኣሎ።

    እዚጀነራል ኣሲሚ ጎይታ ንፕረዚደንትነትን ምኒስትሪ ምክልኻልን ብሓባር ክመርሕ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ስልጣኑ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ንምጽናዕ ዝተገብረ ፈተነ ተገይሩ ይውሰድ።

    ብ25 ምያዝያ፡ ግንባር ሓርነት ኣዛዋድን ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰረ ጅኒም (JNIM)ን ብዝፈጸምዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ባማኮን ካልኦት ከተማታትን ከፊላዊ ዕጽዋ ኣንቢሮም ይርከቡ።

    ብሰንኪእዚ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ማሊ ካብ ሰሜናዊት ከተማ ኪዳል ክስሕብ ምግዳዱ፡ ኣብ ሓይሊ እቲ ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ።

    መንግስቲ ማሊ ምስቲ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ብምዃን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጥቃውያን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።

    ሰለስተአን ብወተሃደራውያን ጕጅለታት ዝመሓደራ ሃገራት፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ካብ ሃገረን ብምውጻእ ንሓገዝ ወተሃደራት ሩስያ ዓዲመን እየን።

  18. ኣብ ጀርመን ከተማ ላይፕዚግ ብመኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ጐደና ፖሊስ መካይንን ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ጀርመን ላይፕዚግ፡ ሓንቲ መኪና ናብቶም ኣብቲ ጐደና ዝነበሩ ሰባት ብምእታው፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 22 ድማ ቈሲሎም። ካብቶም ዝቘሰሉሰለስተ ሰባት ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ይርከቡ።

    ከንቲባላይፕዚግ ቡርክሃርድ ጁንግ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጥርጡር ወዲ 33 ዓመት ጀርመናዊ ዜጋ ኰይኑ፡ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።

    ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሳክሶኒ ሚካኤል ክረችመር፡ እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

    ፖሊስኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ መኪና ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ ጐደና ግሪማይሸ ብልዑል ፍጥነት ብምዝዋር ንሰባት ከም ዝሃረመት ኣረጋጊጹ።

    እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ጓል 63 ዓመት ሰበይትን ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይን ጀርመናውያን ምዃኖም ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ።

    ክሳብሕጂ ኣብ ዘሎ መርመራ፡ እቲ ተግባር ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ድራኸ ከም ዘይነበሮን እቲ ውልቀ-ሰብ በይኑ ከም ዝፈጸሞን ተገሊጹ።

    ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተመሳሳሊ ብመኪና ዝፍጸም መጥቃዕቲታት የጋጥም ከም ዘሎ ይፍለጥ።

  19. ‘ወፍሪ ሓርነት’ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጃልባታት ኢራን ስጕምቲ ወሲዳ

    ወደብ ምስ ክሬናቱ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ ሸውዓተ ናይ ኢራን “ፈጠነቲ ጃልባታት” ከም ዝሃረመት ገሊጹ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ዋሽንግተን ነተን ኣብቲ መጻብቦ ተዓጊተን ዘለዋ መራኽብ ንምውጻእ “ወፍሪ ሓርነት” ዝሰመየቶ ስርሒት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን እዩ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ደቡብ ኮርያን፡ ኣብቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ መራኽበን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጺበን።

    ኢማራት ብተወሳኺ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ወደብ ነዳዲ ፉጃይራ ባርዕ ከም ዝተላዕለ ሓቢራ።

    እቲ መጥቃዕቲ “ሓደገኛ ምዕራግ ግጭት” ምዃኑ ዝገለጸት ኣቡ ዳቢ፡ ግብረ-መልሲ ናይ መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

    ቀንዲ ፍጻመታት፤

    • ስርሒት ምክልኻል፡ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ማርስክ፡ ሓንቲ ካብ መራኽቡ ብሓለዋ ሰራዊት ኣመሪካ ካብቲ መጻብቦ ብሰላም ከም ዝወጽአት ኣረጋጊጹ።
    • ብስምምዕ ዘይተፈትሐ ቅልውላው፤ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ “ወፍሪ ሓርነት ማለት ወፍሪ ዕንቅፋት እዩ፡” ብምባል፡ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
    • ዕጽዋ ሆርሙዝ፤ እቲ 20% ነዳዲ ዓለም ዝሓልፎ መስመር፡ ካብ ለካቲት ኣትሒዙ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ብኢራን ተዓጽዩ ይርከብ።
    • ቍጠባዊ ጽልዋ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ፉጃይራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ብ5% ወሲኹ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ድማ ካብ 115 ዶላር ንላዕሊ ኰይኑ።

    መራሕቲ ዓለም፡ ንመጥቃዕቲ መሰረተ ልምዓት ኢማራት ኰኒኖሞ ኣለዉ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ ቴህራን ናብ መዓዲ ዘተ ተመሊሳ ነቲ ዞባን ዓለምን ጅሆ ካብ ምሓዝ ክትቍጠብ ጸዊዑ።

  20. ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ዳሕረዋይ ቦታኣ ትዕቅብ፡ ኢትዮጵያ ተንቈልቍል