ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያን ኣመሪካን ክልተኣዊ 'ናይ ምክልኻል' ስምምዓት ተፈራሪመን

  2. ፔንታጎን፡ ብዛዕባ 'ዩፎ' ከቃልዖም ዝጀመረ ምስጢራት እንታይ'ዮም?

  3. ካቢነ ስታርመር ተገሚዑ፤ ምኒስተራት ዘልዕልዎ ዘለዉ ወሳኒ ሕቶ

  4. ትራምፕ፡ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ብዝሃቦ መልሲ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ብኣመሪካ ንዝቐረበ ሓሳብ ዝሃበቶ መልሲ፡ "ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

    ዓለምለኻዊ መምዘኒ ነዳዲ ዝዀነ ብሬንት ብ4.1% ወሲኹ ሓደ ባረል 105.50 ዶላር ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ድማ ብ4.4% ብምውሳኽ 99.80 ዶላር በጺሑ።

    እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ብተግባር ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳድን ጋዝን ዓቢ ዕንቅፋት ፈጢሩ ይርከብ።

    ትራምፕ ነቲ ቴህራን ዘቕረበቶ ቅድመ-ኵነት ብዝመልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዚ ክብል ጽሒፉ፤ "ካብ 'ተወከልቲ' ኢራን ዝተባህሉ ዝተዋህበ መልሲ ኣንቢበዮ ኣለኹ። ኣይፈተኹዎን - ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ።"

    እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዋጋታት ጸዓት ዓቢ ምንዋጽ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ብ8 ምያዝያ ዝተተግበረ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዋጋ ብሬንት ደጊሙ ልዕሊ 100 ዶላር ደይቡ ኣሎ።

  5. ተሸላሚት ኖቤል ኢራናዊት ናርግስ ብዋሕስ ተፈቲሓ ናብ ሆስፒታል ተሰጋጊራ

    ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ናርግስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እታ ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ ኢራናዊት ናርግስ መሓመዲ፡ ብሰንኪ እናበርትዓ ዝመጽእ ዘሎ ሕማም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ ናብ ሆስፒታል ቴህራን ከም ዝተሰጋገረት ተገሊጹ።

    ሰበስልጣን ኢራን ናርግስ “ብልዑል ዋሕስ ንግዜኡ” ክትወጽእ ከም ዝፈቐዱላ፡ ስድራቤታ ዘመሓድሩዎ ፋውንዴሽን ብሰንበት ኣፍሊጡ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ክልተ ግዜ ናይ ልቢ ሕማም ከም ዘጋጠማ ዝጠቐሱ ደገፍታን ስድራቤታን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም።

    ጓል 54 ዓመት ዝዀነት ናርግስ መሓመዲ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ጭቆና ደቀንስትዮ ብምቅዋምን ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ብእተካይዶ ቃልስን፡ ናይ 2023 ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ምዃና ዝፍለጥ እዩ።

    ድሕሪ እቲ ስድራቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ዘቕረቡዎ ተደጋጋሚ ልመና፡ ሕጂ ብናታ ሓካይም ንኽትሕከም ኣብ ሆስፒታል ፓርስ ቴህራን ከም እትርከብ ፋውንዴሽን ናርግስ መሓመዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛንጃን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ ነይራ እያ።

    ኣብ ፓሪስ ዝነብር ብዓልቤታ፡ “ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናኣ ጽቡቕ የሎን፡” ክብል ገሊጹ።

    እዛ ተጣባቒት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣስታት 20 ኪሎ-ግራም ዝኸውን ሚዛን ኣካላ ከም ዝጐደለ ይእመን።

    ከምቲ ጠበቓኣ ቺሪን ኣርዳካኒ ዝገለጸቶ፡ ናርግስ ንምዝራብ ትጽገም ከም ዘላን መንነታ ንምፍላጥ ክሳብ ዘጸግም ከም ዝተጐሳቘለትን ተዛሪባ።

    ኣብ 2021 “ኣንጻር መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምስ ጸጥታ ሃገር ምርጻምን፡” ብዝብል ክስታት ናይ 13 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ግና ነቲ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

    ብተወሳኺ፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2024 ብሰንኪ ሕክምናዊ ምኽንያት ካብቲ ሕማቕ ስም ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንግዜኡ ክትወጽእ ተፈቒዱላ ነይሩ።

    ይዅን እምበር፡ ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ተዝካር ስነ-ስርዓት “ቀስቃሲ ዘረባ” ብምስማዓ ዳግማይ ከም ዝኣሰሩዋ ይገልጹ።

    ስድራቤታ ከም ዝሓበሩዎ ግና ኣብ እዋን ማእሰርታ ማህረምቲ ስለ ዝወረዳ እያ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ ተገዲዳ።

  6. ኣቦኡ ቀቢሩ ምስ ተመልሰ፡ እስራኤላውያን ሰፋሮ ነቲ ሬሳ ክፍሕሮ ኣገዲዶሞ

  7. ውግእ ዩክረይን ገንዘብ ንምርካብ ክብል 'ማህጸነይ ከካሪ ቀሲቡኒ'፣ ሓድሽ ሕጊ ግን ንመደባተይ ክገትኦ ይኽእል እዩ

  8. ትራምፕ፡ ኢራን ንእማመ ምቍራጽ ኲናት ኣመሪካ ዝሃበቶ ምላሽ 'ፍጹም ተቐባልነት የብሉን' ኢሉ

  9. ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዘመናዊ ምዝመዛ ካልኣይ ተሰሪዖም

  10. ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ርክብ ዝፈጥር ዘሎ ስታርመር፡ ኣብ መረጻ ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጡ

    ስታርመር

    ምንጪ ስእሊ, PA Media

    ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺ ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዝዓቢ ዘሎ ጠለባት ናብራ ምቅላልን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ምፍጣርን፡ ቀንዲ መደባቱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

    ሎሚ ንግሆ ንጋዜጣ 'ሚረር' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሰልፊ ዕዮ መሪሑ ናብ ዝቕጽል መረጻ ንምእታው መደብ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ። ነቲ "ናይ 10 ዓመት ሓድሽ ፕሮጀክት" ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

    እዚ መደብ’ዚ "ንዅሉ ሰብ ዝሕግዝ... ድልዱል ቍጠባ" ምፍጣር ዝጠልብ ኰይኑ፡ ምስ ብራስለስ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምምስራት ዘለዎ ድሌት ብግህዶ ከም ዝገልጾ ኣፍሊጡ።

    መንእሰያት "ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስራሕ፡ ንምምሃርን ንምጕዓዝን ናጽነት ክህሉዎም ይግባእ፡" ክብል’ውን ተዛሪቡ።

    ትማሊ፡ ስታርመር ነቶም ነባራት ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ዝዀኑ ጎርደን ብራውንን ሃሪየት ሃርማንን ከም ኣማኸርቲ መዚዙዎም ኣሎ።

    እዚ ስጕምቲ’ዚ ብሓደ ምኒስትሪ ከም "ላግጺ" ተገሊጹ ኣሎ።

    ይዅን እምበር ስታርመር፡ እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ፋይናንስን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጽልኢ ደቀንስትዮን ዘተኰሩ ዕማማት፡ "ንመጻኢ ዝዓለሙ" ምዃኖም ገሊጹ።

    ስታርመር፡ ጽባሕ ንርክብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሕብረት ኤውሮጳዊ ኣመልኪቱ ኣገዳሲ መደረ ክህብ እዩ።

  11. ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ መጥቃዕትታት እስራኤል 39 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ

    ኣብ ሊባኖስ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰባት ኣብ ዝዓነወ ህንጻ ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ሊባኖስ ብዝቐጸለ ጽዑቕ መጥቃዕትታት እስራኤል፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 39 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሳክሳኪየ ኣብ ዝተፈጸመ ሓደ መጥቃዕቲ ጥራይ፡ ንሓደ ቈልዓ ሓዊሱ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝቐተለ እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ዒላማኡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ምዃኑን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጕድኣት ጸብጻባት ከም ዝበጽሖን ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ16 ሚያዝያ ኣብ መንጎ መንግስታት እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝእውጁ ንደሓር፡ ሓይልታት እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ምልውዋጥ ቀጺሎም እዮም።

    መብዛሕትኡ መጥቃዕትታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ፖለቲካዊ ሰልፍን ምልሻን ሕዝቦላህ ርክብ ዘለዎም ትሕተ-ቅርጽታትን ሰባትን ይሃርም ከም ዘሎ ይገልጽ።

    ኣብዚ ሰሙን እዚ ጥራይ፡ መጥቃዕትታት እስራኤል ንደቀኣንስትዮን ቈልዑን ሓዊሱ ካብ 120 ንላዕሊ ሰባት ከም ዝቐተለ ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዶብ ሊባኖስ ዝርከብ መሬት ሒዙ ይርከብ።

    እቲ ዕላማ ድማ ንሰሜናዊ ክፋል እስራኤል ንምክልኻል ካብ ሕዝቦላህ ናጻ ዝዀነ ውሑስ ዞባ ንምፍጣር ምዃኑ ሰበስልጣን ይገልጹ።

    ኣብቶም ከባቢታት ምሉእ ዓዲታት ዝዓነዉ ኰይኖም፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት እዚ ተግባር’ዚ ከም ገበን ኲናት ክርአ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

    ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ ብጠቕላላ 2,795 ሰባት ኣብ ሊባኖስ ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

    እስራኤላውያን ሰበስልጣን ብወገኖም፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 17 ወተሃደራትን ሓደ ሰቪልን፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ድማ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ የረድኡ።

  12. ዛዛሚ ጕዕዞ ናይታ ተሳፈርታ ብቫይረስ ዝተጠቕዑ መርከብ

  13. ኣብ መንጎ ስግኣት ድሮናትን ተስፋ ሰላምን፡ ፑቲን ካብ ቀይሕ ኣደባባይ ዝሃቦ መግለጺ

  14. በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ

  15. ኢራን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽትሳተፍ ተረርቲ ጠለባት ኣቕሪባ

  16. ኢራን፡ 'ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ' ክትብል ንኣመሪካ ከሲሳ

  17. ትግራይ፡ ኣብ ዛዕባ 'ቅድስና' ከተማ ኣኽሱም ሲኖዶስ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ እንታይ ይብል?

  18. ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?

  19. ኤርትራ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ

  20. ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?