ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና ከም ዝተቐትለ ገሊጹ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ “ካልኣይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና (ISIS)” ኰይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቐተሉዎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ሓባራዊ ስጕምቲ፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ንጡፍ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ” ኣቡ-ቢላል ኣል-ሚኑኪ ንምውጋድ፡ “ብዘይኰነ ይዅን ጌጋ ፍጹም ብዝዀነ መንገዲ ከም ዝተፈጸመ” ገሊጹ።
ኣል-ሚኑኪ ብ2023 ብዋሽንግተን ፍሉይ ዓለምለኻዊ ግብረ-ሽበራዊ ተባሂሉ ተረቚሑ ነይሩ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ መግለጺ የሎን።
እዚ ቅትለት’ዚ እንተ ተረጋጊጹ፡ ስዒቡ ምስቲ ብ2019 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ በክር ኣል-ባቕዳዲ፡ ንውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ካልእ ዓብዪ ስዕረት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቢቢሲ ንመንግስቲ ኣመሪካን ሰብስልጣን ናይጀርያን ርእይቶኦም ንምሃብ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።
ኣል-ሚኑኪ (ኣቡ በክር ኢብን ሙሓመድ ኢብን ዓሊ ኣል-ማይኑኪ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ)፡ ነቶም ምስ ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ምትእስሳር ዘለዎምን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡን ዋህዮታት ይመርሕ ነይሩ።
ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓውሲ ተፋሰስ ቀላይ ጫድን ሳሕልን ዓሪዱ ዝርከብ ምስ ኒጀር፡ ጫድን ማሊን ዶብ-ሰገር ምትእስሳር ዘለዎ ግዝኣት ውድብ ሕብረት ምስልምና ምዕራብ ኣፍሪቃ ይመርሕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ስጕምቲ ወይ እቲ ሓባራዊ ልኡኽ ዝተፈጸመሉ ግዜ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ትራምፕ፡ ሞት ናይዚ መራሒ ንኣፍሪቃን ዓለምለኻውን መርበባት ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ሓያል ውቅዒት ምዃኑን ንእዝን ቍጽጽርን ከም ዝተበታተነ ገሊጹ።