ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ርክብ ዝፈጥር ዘሎ ስታርመር፡ ኣብ መረጻ ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጡ
ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር፡ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺ ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዝዓቢ ዘሎ ጠለባት ናብራ ምቅላልን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ምፍጣርን፡ ቀንዲ መደባቱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።
ሎሚ ንግሆ ንጋዜጣ 'ሚረር' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሰልፊ ዕዮ መሪሑ ናብ ዝቕጽል መረጻ ንምእታው መደብ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ። ነቲ "ናይ 10 ዓመት ሓድሽ ፕሮጀክት" ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።
እዚ መደብ’ዚ "ንዅሉ ሰብ ዝሕግዝ... ድልዱል ቍጠባ" ምፍጣር ዝጠልብ ኰይኑ፡ ምስ ብራስለስ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምምስራት ዘለዎ ድሌት ብግህዶ ከም ዝገልጾ ኣፍሊጡ።
መንእሰያት "ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስራሕ፡ ንምምሃርን ንምጕዓዝን ናጽነት ክህሉዎም ይግባእ፡" ክብል’ውን ተዛሪቡ።
ትማሊ፡ ስታርመር ነቶም ነባራት ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ዝዀኑ ጎርደን ብራውንን ሃሪየት ሃርማንን ከም ኣማኸርቲ መዚዙዎም ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ’ዚ ብሓደ ምኒስትሪ ከም "ላግጺ" ተገሊጹ ኣሎ።
ይዅን እምበር ስታርመር፡ እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ፋይናንስን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጽልኢ ደቀንስትዮን ዘተኰሩ ዕማማት፡ "ንመጻኢ ዝዓለሙ" ምዃኖም ገሊጹ።
ስታርመር፡ ጽባሕ ንርክብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሕብረት ኤውሮጳዊ ኣመልኪቱ ኣገዳሲ መደረ ክህብ እዩ።