እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ፡ ምሩጽ ኣሳእል ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

  2. ‘ምስ ኣመሪካ ዝግበር ስምምዕ ጭቡጥ ኣይኮነን’- ኢራን

    ምስ ኣመሪካ ዝካየድ ዝርርብ ምዕባለታት ከምዘሎ’ኳ ዝገለጸት ኢራን፡ ምፍራም ስምምዕ ግን "ጭቡጥ ኣይኮነን" ኢላ።

    ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃይ ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    ባቃይ ሎሚ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ስምምዕ ኣብ ሓበራዊ መርገፂ በጺሕና ምባል ቅኑዕ'ዩ" ኢሉ።

    "እዚ ማለት ግን፡ ‘ምፍራም’ቲ ስምምዕ ዘይተርፍ እዩ’ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ የለን።"

    እቲ ሰነድ መዘክር ምርድዳእ [MoU] ፡ ን60 መዓልታት ምንዋሕ ተኹሲ ደው ምባል፣ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋትን ብዛዕባ ኑክሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝያዳ ድርድር ንምክያድ ዝዓለመ ውጥንን ከምዘጠቓልል ይግለጽ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሒሩ ንተደራደርቲ "ከይሃፁ" መምርሒ ከምዝሃበ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ወገናት ኣብ ሓደ ስምምዕ ይበፅሑ ​​ከምዘለዉ ኣተንቢሁ ነይሩ።

    ሎሚ ንጐሆ ሰኑይ፡ ሩቢዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ትማሊ ምሸት ገለ ዜና ክንሰምዕ ንኽእል ኢልና ሓሲብና ነይርና፤ ምናልባት ሎሚ'ዩ ማለት እዩ" ክብል ተሰሚዑ።

    "ካብ ኢራን መልሲ ክትሰምዕ ቁሩብ ግዜ ይወስድ" ክብል'ውን ሩቢዮ ወሲኹ ኣጠንቂቑ፡።

    ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣቦኡ ዝተቐተሎን መጥቃዕቲ እስራኤል መጉዳእቲ ዝበፅሖን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ካሜነይ፡ ኣብ ዘይተነፀረ ቦታ ተዓጽዩ ከምዘሎ፣ እዚ ድማ ምስ ልኡኻቱ ዝገብሮ ርክብ ኣጸጋሚ ከምዝዀነን፡ እዚ ነቲ ዝርርባት ከምዘደናጉዮን ጸብጺቡ ኣሎ።

  3. ትራምፕ፡ ተዛተይቲ ልኡኻት ኣመሪካ ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ 'ከይህወኹ' ኣዚዙ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዝዛተዩ ዘለዉ ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከይህወኹ ኣዚዙ።

    እቲ ፕረዚደንት ቅድም ክብል ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከም ዝተቓረቡ ገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘተ ንተወሳኺ 60 መዓልታት ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ፣ መፃብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋትን ኣብ መደብ ንዩክለር ኢራን ተወሳኺ ዘተ ንምግባር መደብ ምውፃእን ዝብሉ ከም ዘካትት ተገሊፁ።

    ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ሃናጺ” ዝርርባት ይቕፅሉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ግና ክልቲአን ሃገራት ግዜ ወሲደን ትኽክለኛ ስምምዕ ክገብራ ይግባእ ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ዝበዝሑ ክፋላት እቲ ስምምዕ ተዘትይሎም ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ብቐዳም ገሊፁ ነይሩ። እዚ ድማ ሰባት፡ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ብወግዒ ክንገር’ዩ ኢሎም ክኣምኑ ደሪኹ።

    ሰብመዚ ኢራን’ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ተመሳሳሊ መልእኽትታት ዘሕለፉ ክኾኑ እንከለው፡ ወሃቢቃል ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢስማዔል ባጋይ፡ ክልቲአን ሃገራት “ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ቀሪበን እየን፡ ግን ድማ ምሉእ ብምሉእ ንኸይሰማምዓ ዝገብሩ ዓበይቲ ኣፈላላያት ኣለዉ ኢሉ።

    ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ብዙሓን ኣመሪካ፡ እቲ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝዛተያሉ ዘለዋ ስምምዕ፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣይኮነን።

    ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበሩ ማዕቀባት ምልዓል፣ ከይንቀሳቐስ ዝተገበረ ገንዘብ ቴህራን ምልቃቕን መደብ ንዩለር ኢራንን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉዳያት ግና፡ ኣብ ቀፃሊ ዝዛተይሎም ጉዳያት እዮም።

    እዚ ስምምዕ ንሪፓብሊካን ኣብ ክልተ ዝገምዐ ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም ንኢራን ምልስላስ ዘርኣየ እዩ ብምባል፡ ይምጕቱ ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዝሽክያን ምስ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኢራን ድሌታ ንዩለሳዊ ኣፅዋር ከም ዘይኮነ ንዓለም ንምርግጋፅ ድልውቲ እያ ኢሉ።

    ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብቲ ዘተ ርኡይ ምምሕያሽ’ኳ እንተ ተራእየ፡ እቲ ከይዲ ኣብ መወዳእታ ብርኪ ከም ዘይበፅሐ ገሊፁ ነይሩ።

  4. ስለምንታይ ኢና ድሕሪ ሞትና ክንዘከር እንደሊ?

  5. ኤርትራ፡ዘቤታዊ ጉዳያት ኣብ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

  6. መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ናብ ኣመሪካ ዘተኰረ መደረኡ እንታይ ኢሉ?

  7. ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ዋሽንግተንን 'ሓድሽ ምዕራፍ' ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጣ

  8. ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ "ጽምዶ" መግለጺ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ

  9. ጥዕናና ንምውሓስ መዓልታዊ ክንገብሮም ዘለና ሓሙሽተ ቀለልቲ ልምድታት

  10. መንገዲ ኣየር ባድር ካብን ናብን ኣስመራ ንግዳዊ በረራታት ጀሚሩ

  11. ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝጻወቱ እቶም ዝዓበዩ ተጻወትቲ ብዓል መን'ዮም?

  12. ትራምፕን ንጉስ ቻርለስን ናብ ኤርትራ ዝሰደድዎ መልእኽቲ እንታይ ይብል?

  13. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵባ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ እንታይ ዝዓለመ እዩ?

  14. ኤርትራ ኣብ መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ታሪኽ ምስሳን ህዝብን ፈተና ስደትን

  15. ኢቦላ፡ ኣስጋእነቱ ካብ 'ልዑል' ናብ 'ኣዝዩ ልዑል' ተሰጋጊሩ

  16. ኬሚካል 'ፎርኤቨር ' ኣብ እትሰትይዎ ማይ ዘሎ ዘደንጹ ሓቅታት

  17. ተመራመርቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓድሽ ክታበት ኢቦላ ክነማዕብል ኢና ይብሉ

    ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ለበዳ ኢቦላ ደው ንምባል ክሕግዝ ዝኽእል ሓድሽ ክታበት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ከምዘማዕበሉ ይገልጹ ኣለዉ።

    ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 177 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 750 ድማ ከምዝተለኸፉ ይጥርጠር።

    በቲ ቡንዲቡግዮ ዝተባህለ ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ሲሶ ከምዝሞቱ ይግለጽ።

    እንተዀነ ዛጊት ነቲ ሕማም ዝከላኸል ውጽኢታዊ ክታበት የለን።

    ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ግን፡ እዚ ክታበት ንምድላው ብቕልጡፍ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

    እቲ ዘማዕብልዎ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ገና ኣይተረጋገጸን።

    እንተዀነ ውጽኢታውነቱ ንምርግጋጽ መጀመርታ ኣብ እንስሳታት ድሕሪኡ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍተን እዩ።

    እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ክታበት ንምስራሕ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተጠቐሙሉ ዓይነት እዩ።

  18. ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ይለቅቕ ኣሎ

    ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጋርድዮላ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብታ ክለብ ክለቅቕ እዩ።

    እታ ክለብ ሰንበት ኣንጻር ኣስቶንቪላ እትገብሮ ግጥም ድማ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ይኸውን ኣሎ።

    "ምኽንያታት ምልቃቐይ ኣይትሕተቱኒ። ምኽንያት የለን፡ ውሽጠይ እዋኑ ምዃኑ ይነግረኒ ኣሎ" ክብል ጋርድዮላ ካብታ ክለብ ዝፈላለየሉ ግዜ ከምዝበጽሐ ኣመልኪቱ።

    ጋርድዮላ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ዕውት ተኸታታሊ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።

    ጓርድዮላ፡ እታ ክለብ ኣብ 2023-24 ዓመተ ስፖርት ብዘመዝገበቶ ዓወት ንኣርባዕተ ዓመታት ተኸታታሊ ዋንጫ ሊግ ኢንግሊዝ ዝዓተረት ቀዳመይቲ ጋንታ ኰይና ታሪኽ ንክትጽሕ ሓጊዙ እዩ።

    ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ምልቃቑ ንግዚኡ ካብ ኣሰልጣንነት ዕረፍቲ ክወስድ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

  19. ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ

  20. ኣስመራ፡ ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ቐጠርን