እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤል ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዳግማይ ደብዲባ

    እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ንርእሰ ከተማ ሊባኖስ- ቤሩት ንኻልኣይ ግዜ ደብዲባ።

    እቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00 (11፡00 GMT) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ልክዕ ዒላማኡ ከምዝወቕዐ” ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

    ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ስሞም ዘይተገልጸ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ናቝጣታት ሕዝቦላህ ከምዝነበረ ሓቢረን።

    እስራኤል፡ ብሓልዮት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ደው ኣቢላ ምፅናሓ ዝዝከር እዩ።

    እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ግን፡ ድሕሪ እቲ ትሕተ ቅርጺ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ማዕበላዊ ደብዳብ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከምዝተፈጸመ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እስራኤልን፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህን፡ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተዂሲ ደው ምባል ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ይስምዑ።

    ድሕሪ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብታ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ከም ዕርዲ ሕዝቦላህ ኮይና እተገልግል ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረላ ከባቢ ዳሂየህ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ዒግታ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

    ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ዝነጥፍሉ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ድማ ንጎረባብትን ኣዝማዶምን ድሕንነቶም ንምርግጋጽ ይጓየዩ ነይሮም።

    ብመሰረት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ምስ ሂዝቦላህ ምሕዝነት ዘለዎ ኢራናዊ ዓሊ ኣል ሑስኒ እዩ።

    ኣብዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ገሊፁ ኣሎ።

  2. ጋና፡ ንይቕረታ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ተቐቢላቶ

    ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋና፡ ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብሰንኪ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ግልያነት ዝነበራ ኣበርክቶ ንዘቕረቡዎ ይቕረታ ብሓጐስ ተቐቢላቶ።

    ኣክራ፡ ነቲ ታሪኻዊ መግለጺ ናይቶም መንፈሳዊ መራሒ “ተግባር ስነምግባራዊ ትብዓት፡” ክትብል ገሊጻቶ።

    ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ግልያነት ቅቡል ኣብ ምግባር ብዝነበራ ግደን ንዘመናት ይቕረ ክትብል ምድንጓያን ክትውቀስ ጸኒሓ እያ።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ብሰኑይ ንሓደጋታት ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ዝምልከት ዝተሓትመ ዓቢ ኣስተምህሮኦም እዮም ንጹር ብዝዀነ ቃላት ይቕረታ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

    ጋና፡ መውጽኢ ኣፍደገ ናይቶም ተሃዲኖም ብንግዲ ግልያነት ናብ ካሪቢያንን ኣመሪካ ዝተወስዱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ምንባራ ይፍለጥ።ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ይቕረታ ክሕተታን ካሕሳ ክወሃበንን ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣክራ መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ።

    መንግስቲ ጋና ሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቡነ ሊዮ ነቲ ቃንዛ ዝመልኦ ሕሉፍ ታሪኽ ምእማኖም፡ ናብ ሕውየት፡ ዕርቅን ፍትሓዊ ሕብረተሰብን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ሊቃነ-ጳጳሳት “ድንቂ ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ ሰነድ፡ ብስም እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረታ ዘቕረቡ ኰይኖም፡ ሰበስልጣን እታ ቤተ-ክርስትያን ንግልያነት ቅቡል ይገብሩን ኣብያተ ክርስትያን ናይ ባዕለን ግልያታት ከም ዝነበሩወንን ተኣሚኖም።

    ጋና፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት ንግልያነት ኣፍሪቃውያን “ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ዝኸበደ ገበን፡” ክብል ንዘሕለፎ ውሳነ ቀንዲ ደፋኢት'ያ ነይራ። ኣብ ሰነ ድማ ክውሰዱ ንዝኽእሉ ስጕምትታት ንምዝታይ ዋዕላ ከተአንግድ እያ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጋና፡ እቲ ሰነድ ንታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብግቡእ ዝምርምርን ኣፍሪቃውያን ዘሕለፉዎ መከራ ብዕምቈት ዘስተንትንን እዩ ኢሉ።

    ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብሰሉስ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ይቕረታ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ፣ እንተዀነ ይቕረታ ጥራይ እኹል ስለ ዘይኰነ፡ ሓቀኛ ናይ ካሕሳ ፍትሒ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ'ሎ።

  3. ኢራን ድሕሪ ዝወረዳ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንመደበር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረት ገሊጻ

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መደበር ኣየር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ መዓስከር ኣበይ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣይገለጸን።

    እንተዀነ፡ እታ መደበር ኣመሪካ እተአንግድ ኩዌት፡ ካበይ ከም ዝመጽኡ ከይገለጸት "ሚሳይላትን ድሮናት፡" ከም ዘምከነት ገሊጻ።

    ኣቐዲሙ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሮናት ኢራን ከም ዘውደቐን ኣብ ባንዳር ዓባስ ዝተባህለት ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ወተሃደራዊ ቦታ ከም ዝሃረመን ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ዳግማይ ተጻብኦታት፡ ኣመሪካን ኢራንን ንዝኸተምኦ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

  4. ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተባርዐ ሓዊ ብውሕዱ 16 ተመሃሮ መይተን

    ኣብ ማእከላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ደቀንስትዮ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ብወሑዱ 16 ተመሃሮ ህይወተን ከም ዝሰኣና ተገሊጹ።

    ኣብቲ ኣብ ጊልጊል (ዞባ ናኩሩ) ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ቈሲለን ኣለዋ።

    ሰበስልጣን መንግስቲ ኬንያ፡ ስድራቤታት ደሃይ ደቀን ኣብ ዝጽበያሉ ዘለዋ እዋን መርመራታት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

    እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ (ኣብ ግሬት ሪፍት ቫሊ) ኣብ ጊልጊል እትርከብ ‘ኡቱሚሺ ግርልስ ኣካዳሚ’ ዝተባህለት ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ደቀንስትዮ እዩ ተወሊዑ።

    ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ተምሃሮ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ሆስፒታል ይረኽባ ኣለዋ።

    እቲ መደቀሲ ክፍሊ ኣስታት 200 ተምሃሮ ዘዕቍብ እዩ።

    ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ብወተሃደራትን ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ናይቲ ዞባን ተደጊፎም ነቲ ባርዕ ክቈጻጸሩዎ ክኢሎም እዮም።

    ዒግታ ትኪ ነቲ ህንጻ ክሽፍኖ ከሎ፡ ገለአን ተምሃሮ ብስንባደ ናብቲ ከባቢ ክሃድማ ክኢለን።

    ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስ ማስዑድ ምዊንዪ ከም ዝበሎ፡ ክኢላታት ዕቤት እቲ ሓደጋ ንምግምጋም ገና ኣብ ስራሕ ኣለዉ።

    ሰበስልጣን ናብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ምእታው ምስ ከልከሉ፡ በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ግዳም ተኣኪቦም ኣርፊዶም።

    ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ገና ኣይተነጸረን ዘሎ፣ መመራታት’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

  5. ኤርትራ፡ 'እዉጅ ባጀት ዘይብልካ ብዕዳ ኣመሪካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን

  6. ዋጋ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ወርቂ ኣብ ገዛኡ ዝተረኽበ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ

  7. ኣመሪካ፡ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ንዒላማታት ኢራን ኣጥቂዓ

  8. ኣሕመዲነጃድ፡ ካብ ዕሉል ጸላኢ ናብ ተስፋ እስራኤል

  9. ምስልታት በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ኤርትራን ትግራይን

  10. ሰብ መዚ ጋና፡ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ የውጽኡ ኣለው

    ሰብመዚ ጋና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለዉ ዝበልዎም 800 ዜጋታት፡ እቶም 300 ሎሚ ናብ ጋና ክኸዱ እዮም።

    ቢቢሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ኦኣር ታምቦ፡ ኤምባሲ ጋና ካብ ዝተኻረየን ዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ተጓዓዝቲ ከውርዱ ተዓዚቡ።

    እዚኦም፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

    እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብገምጋም 25 ሽሕ ጋናውያን ይነብሩ።

    ሰልፈኛታት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጸቕጢ የሕድሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ደው ንምባል ዝያዳ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ "ማርች ማርች" ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ንነብሱ ብዜጋታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ጽገና ኢሚግሬሽን ኢሉ ይገልጽ።

    ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ድማ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    ብ2019 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ኣዳለውቲ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ወጻእተኛታት ዘቕንዐ ተግባራት ገበናዊ እዩ ብምባል እታ ሃገር ግን ንዘይሕጋዊ ስደት ክትገጥም ከም ዘለዋ ተኣሚኑ።

  11. ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ

    ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መመሓድ ኦዴህ፡ ብሰሉስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስኤል ተቐቲሉ።

    ቅድሚኡ ዝነበረ ሓላፊ፡ ኢዝ ኣድ-ዲን ኣል-ሓዳድ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተቐቲሉ።

    ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ጽዑቓት ዕዳጋታት ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ከም ዝተሃረመ ሓካይምን መሰኻኽርን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

    ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጸጥታን ሺን ቤትን እስራኤልን ንኦዴህ ከም መሕብኢ ዘገልግሉ ህንጻታት ንሓያሎ ኣዋርሕ ምንቅስቓሳቱ ድሕሪ ምክትታል ዒላማ ከም ዝተገብረሎም ሓቢሩ።

    ሓማስ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ምንጪ ሓማስን ኣዝማዱን፡ ኦዴህን በዓልቲ ቤቱን ምስ ዓቢ ወዶም ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።

    ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ምባል ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ቓዛ ግን ዳርጋ መዓልታዊ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።

    ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብሰሉስ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኦዴህ "ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡" ምዃኑ ገሊጹ።

    በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።

    ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድ ንመብዛሕትኡ መሬት ፍልስጤም ናብ ዑና ዝቐየረ ኲናት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።

    ብሰንኩ ብዙሓት ካብቶም 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ተመዛቢሎም።

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ልዕሊ 72,800 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣሃዝ እሙን ኢሉ ይወስዶ።

  12. ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዝመርሖ ጕጅለ ተዓዛቢ መረጻ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

    መጻኢ ሰኑይ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ዝዕዘብ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

    እዚ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ካብ 37 ሃገራት ዝተወጻጽአን 73 ኣባላት ዝሓዘ፡ ኣምባሳደራት፡ ሰብ ሞያ መረጻ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦትን ዝሓዘ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መስርሕ ምሃብ ድምጽን ቈጸራን ክዕዘቡ ምዃኖም ጠቒሱ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ተዓዘብቲ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) እውን ከም ዝሳተፉ ገሊጹ እዩ።

    እቲ ጕጅለ ተዓዘብቲ፡ ኣፈናዊ ጸብጻብ 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም (ኣ.ግ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ከም ዝገብር ክገልጽ ከሎ፡ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ድማ እቲ መረጻ ምስ ተኻየደ ኣብ ውሽጢ ለልተ ወርሒ ከቕርብ እዩ።

    ሲቪክ ማሕበር ኢትዮጵያ፡ እዚ ንሻብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ንምዕዛብ ልዕሊ 500 ተዓዘብቲ ከም ዘዋፈረ ይግለጽ።

  13. ፕረዚደንት ራማፎሳ ካብ ስልጣኑ ንኽእለ ዝተጀመሩ መስርሓት ብቤት ፍርዲ ክምጉቶም ጀሚሩ

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ካብ ስልጣኑ ዘውርዶ ባይቶ ዘውጽኦን ኣባላት እቲ ባይቶ ካብ ስልጣን ንኽኣልዩዎ ዝገብር መስርሕ ንምእላይ ሕጋዊ ተቓውሞ ጀሚሩ።

    ብ2022 ሓደ ናጻ ኮሚተ፡ ራማፎሳ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታኡ ኣብ ሶፋ ተሓቢኡ ዝተረኽበ ገንዘብ ስርቂ ብዝተሓሓዝ ከቢድ ጉድለት ምምሕዳር ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ።

    እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ባይቶ ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መርመራ ንኽጅመር ዝሃቦ ድምጺ ጥሰሕት ሕጊ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

    ራማፎሳ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC) ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ድምጺ ነይርዎ።

    ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብዝሓ ድምጺ ካብ ዝስእን ንደሓር ግን፡ ኣካል ልፍንታዊ መንግስቲ ኰይኑ እዩ ዘመሓድር ዘሎ።

    ራማፎሳ ብሰሉስ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬፕታውን ኣብ ዘቕረቦ ተቓውሞ፡ እቲ ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወ ጉጅለ “ሓላፍነቱ ብልክዕ ኣይተገንዘበን፤ ዝቐረብሉ ሓበሬታታት ኣየገናዘበን፤ ኣብ ልዕለይ ኣርባዕተ ግጉያት ክስታት ኣቕሪቡ'ዩ፡" ኢሉ።

    እቲ ክሲ ምፍራስ ሕገ-መንግስቲን ከቢድ ስነ-ምግባርን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ መመልከቲ፡ እቲ ጸብጻብ ንጐድኒ ክተርፍን፡ መስርሕ ምእላይ ስልጣን ክስረዝን ሓቲቱ፡ “ነዚ መመልከቲ ብቐሊሉ ኣይገብሮን እየ” ክብል ሓቲቱ።

    እቶም ክስታት፡ ቅዋም ናይ ምጥምዛዝን ከቢድ ጌጋን ምፍጻሙ ዘካተቱ እዮም።

    "እዚ ኣቕሊለ ኣየቕርቦን፡" ዝበለ እቲ ፕረደዚንት፡ እቲ ጸብጻብ ክሕደግን ካብ ስልጣን ናይ ምልዓል መስርሕ ክስረዝን ሓቲቱ።

    ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኤኤንሲ ሓዊሱ ካብ 16 ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተወጻጽኡ 31 ኣባላት ዘለውዎ ካብ ስልጣን ዝኣሊ ኮሚቴ መስሪቱ ኣሎ።

    እቲ ኮሚቴ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ መስርሕ ክጅመር ኣለዎ ዶ የብሉን ዝብል ይውስን።

    እዚ ሰሓቦ ጉተቶ፡ ብ2020፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ሊምፖፖ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ራማፎሳ ዝተሰር1 580 ሽሕ ዶላር ምስ ተረኽበ እዩ ጀሚሩ።

    ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሓደ ዘይሻራዊ ኮሚቴ እቲ ፕረዚደንት ዝኣተዎ መብጽዓ ከም ዝጥሓሰ ዘርኢ መረዳእታ ክረክብ ከሎ፡ እቲ ፕረዚደንት መልሲ ክህብ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ምሓዝ ጽኑዕ ሕጊ ዘለዋ ኰይና፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ባጤራ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲታት ናብ ባንክ ክኣቱ የገድዱ።

    ኣብቲ እዋን፡ ራማፎሳ እቲ ገንዘብ ካብ ንግዲ ሕርሻ ብሕጋዊ መገዲ ዝተረኽበ እዩ ኢሉ ነይሩ።

  14. እታ 'በሎኽ ዝበለት ኤርትራ' ብግዜ ናጽነት ዝቐረበት ፈላሚት መጽሓፍ

  15. ኣብ ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መረፃ ኣይካየድን

  16. ናሳ፡ ኣብ ወርሒ ቀዋሚ መንደር ክሃንጽ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

    ናሳ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ወርሒ ንዝህነጽ ወቃሚ መንደር ዘገልግሉ ሮቦታትን ማሽናትን ወግዓዊ ገይሩ።

    ብሉ ኦሮጅን፡ እዞም ናውቲታት ንምህናጽ ካብ መንጐ ዝተሓረዩ ኵባንያታት እቲ ሓደ እዩ።

    ተመራመርቲ ህዋ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2029 ካብ ስልጣን ቅድሚ ምልጋሱ ዳግም ናብ ወርሒ ክምለሱ ይደልዩ።

    ግን፡ ናሳ ናብ ወርሒ ንምምላስ ምስ ቻይና ኣብ ንሕንሕ ብምህላዩ፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝርከብ ይግለጽ።

    ቻይና፡ ብ2030 ጠፈርተኛታታ ኣብ ወርሒ ንክበጽሑ መደብ ሒዛ ትሰርሕ ኣላ።

    ብሰኑይ፡ ቻይና ሼንዙ-23 ዝተባህለ መንኮርኩር ናብ መደብር ህዋ ቲያንጎንግ ጠፈርተኛታት ሒዛ ዝተጉዓዘት መንኮርኩር ወግዓዊ ገይራ እያ።

    ብመጋቢት፡ ናሳ ኣብ 2032 ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ወርሒ፡ ብኒዩክሌር ጸሓይን ዝሕገዝ ቀዋሚ መንደር ንምህናጽ ዘኽእሎ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ፕሮግራም ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

    ኣመሓዳሪ ናሳ ጃሬድ ኣይዛክማን፡ ብሰሉስ ኣመሪካ "ዳግም ኣብ ልዕሊ ወርሒ ተስፋ ኣይትቘርጽን፡" ኢሉ።

    እዚ መንደር፡ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ምድላይ ክቡር ማዕድናት ሳይንሳዊ ፈተነታት እተካይደሉ ኰይኑ፡ ናብ ማርስ ዝግበር ጉዕዞ ንምቕላልን ከም ዝሕግዝ ይንገር።

    ብዙሓት ክኢላታት ግን ግዜ ሰሌዳ ናሳ ክውንነታዊ ኣይኰነን ብምባል ነቒፎምዎ ኣለዉ።

    ኣርተሚስ ክልተ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ በጺሓ ከም ዝተመልሰት ይዝከር።

  17. እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ትፍጽም

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሕይል እዩ ድሕሪ ምምባሉ፡ ኣብ መላእ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ብዝተፈጸመ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም።

    ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዝተፈጸመ ዝሓየለ ደብዳብ፡ ንልዕሊ 100 ትሕተ ቅርጺ ቦታታትን ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

    ኔታንያሁ ኣብዚ ሰሙን ንሕዝቦላህ ዒላማ ኣብ ምግባር ዝያዳ መጥቃዕቲ ክፍጸም መምርሒ ከም ዝሃበ ገሊጹ ነይሩ።

    ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ፕሮጀክትላይት ከም ዝተወጨፈ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ እቲ ፕሮጀክትላይት ኣብ ክፉት ቦታ ከም ዝወደቐን ዝዀነ መጉዳእቲ ከም ዘይበጽሐን ገሊጹ።

    ኔታንያሁ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል "ኣብ ሊባኖስ እትወስዶ ዘላ ስርሒት ተዕሙቘ ኣላ፡" ኢሉ።

    "ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብኣጋር ዓበይቲ ሓይልታት ሒዙ ይንቀሳቐስን ዓብላሊ መሬት ይሕዝን ኣሎ፡" ብምባል ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ንምክልኻል "ነቲ ዞባ ጸጥታ የደልድሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።

  18. ዒድ ኣል ኣድሓ፡ ንምንታይ’ዩ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት እንስሳ ዝሕረዳ?

  19. ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን ንዝዋግኡ ዘለዉ ዕሱባት መተሓላለፊት ምዃና ዝኸስስ መርመራ

  20. ኢቦላ፡ ሬሳ ዝሞቱ ቤተሰቦም ዝተኸልከሉ ነበርቲ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም

    ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኢቦላ፡ ገለ ሰባት ናይ ቤተሰቦም ሬሳታት ንምውሳድ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ፡ ክልተ ጋዜጠኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ናዕቢ ምሉእ መዓልቲ ከምዝቐጸለ እቶም ሪፖርተራት ሓቢሮም።

    ኣብቲ ቀጽሪ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ሕክምና፡ ሓደ ናይ መወሸቢ ዳስ ብሓዊ ተቓጺሉ ኣሎ።

    ሬሳ ናይ ሓደ ግዳይ ኢቦላ ኣዝዩ ተላባዒ ስለዝኾነ፡ ንህዝባዊ ስርዓተ-ቀብሪ ንቤተሰቡ ምስ ዝወሃብ፡ እቲ ቫይረስ ዝያዳ ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ቊጽሪ ብኢቦላ ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝበፅሐን፡ 223 ድማ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑን፡ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊፆም።

    ዳይረክተር ሕክምና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሞንግዋሉ ዶክተር ሪቻርድ ሎኩዱ ከም ዝበሎ፡ እቶም ብሰንበት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ሬሳታት ክልተ ሰባት ንስድራቤቶም ክወሃብ ድሕሪ ምሕታቶም እዩ።

    ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ካቶሊካዊ ካህን፡ “ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት” ምዃኑ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ሆስፒታል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኢቦላ ዝኾነት ግዝኣት ኢቱሪ፡ ንዝርግሐ ቫይረስ ኢቦላ ንምግታእ ዝግበር ቃልሲ ምስ "ኲናት" ኣመሳሲልዎ ኣሎ፤ ሰፊሕ ሕፅረት ፀጋታት ከምዝገጦሞም ድማ ሓቢሩ።

    ጆኒ ሉቦያ ንካሻማ፡ ንፈረንሳዊ ፈነወ ኣርኤአይ - RFI- ኣብ ዝሃቦሓበሬታ፡ "ኣብቶም ነቲ ሕማም ዝተሳጥሑ ከባቢታት ዝርከቡ ሰባት እኹል መግቢ ኣይረኽቡን ዘለዉ፤ ብዝሒ ሕሙማት ስለዘሎ ድማ ጽቕጥቅጥ ይፍጠር ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ እቲ ዞባ "ናብ ዓቢ ሓደጋ ከይኣቱ" ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ምሕያል ሓዊሱ፡ "ቅልጡፍ ምላሽ" ክወሃብ ጸዊዑ'ሎ።