ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ናፅነት ንፈለማ እዋን ሃገራዊ መረፃ ከተካይድ'ያ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ናጽነታ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሃገራዊ መረፃ ክተካይድ ምዃና ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እታ ሃገር፡ ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር መራሕታ ናብ መረፃ ቀሪቦም ኣይፈልጡን።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ን15 ዓመታት ፕረዚደንት ዀይኑ ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ኣብ 2015፡ ቅድሚ 11 ዓመት ሓፈሻዊ መረፃ ከተካይድ ተሓሲቡ ነይሩ።
እንተዀነ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ተናዊሑ።
ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ ድማ፡ ኪር ኣቦመንበር ናይቲ ሓባራዊ መንግስቲ፡ መነሓንሕቱ ሪክ ማቻር ድማ ምክትሉ ኰይኑ ቀፂሉ።
እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ 2022 መረፃ ንምክያድ ዝዓለመ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምረድዳእ ግን ምድንጓዩ ይዝከር።
ሕዚ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝፍጠር ወጥሪ ካልእ ምድንጓይ ከየስዕብ ይስጋእ።
ሪክማቻር ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣን ምክትል ፕረዚደነት ተኣልዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።
ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሰከተማ ጁባ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ግጭት ይረአ ኣሎ።

















