የመን፡ ሑቲ ክልተ ዓበይቲ መራኽብ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብቀይሕ ባሕሪ ከይሓልፋ ዓጊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ዝጸዓና ክልተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ካብ ዕጡቓት ሑቲ የመን ብሰንኪ ዝበፅሐን መጠንቀቕታ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መንገደን ክቕይራ ከምዝተገደዳ ተገሊፁ።
እተን ነዳዲ ናብ ቻይናን ህንድን ዝጸዓና መራኽብ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ እየን ናብ መበጊሰአን ተመሊሰን።
ስዑዲ ዓረብ ከም ጸላኢ እትርእዮም መሓዛ ኢራን ዝኾኑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ናብ ወደባት ስዑዲ ዓረብ ወይ ካብ ወደባት ስዑዲ ዝብገስ ዝዀነ መራኽብ ዒላማ ከም ዝገብሩ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
እተን ናብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘምርሓ ዝነበራ ክልተ መራኽብ፡ ካብ ሑቲ መጠንቀቕታ ምስ በፅሐን፡ ናብ ካናል ሱዌዝ ገጸን እየን ተመሊሰን።
ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን፡ ቅልውላው ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ዘስዓበ ኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ከየጋድዶ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ካብተን ሑቲ ክምለሳ ዝኣዘዘን መራኽብ፡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ሓደ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ስዑዲ ዓረብ-ያንቡ ተበጊሳ ናብ ቻይና እተምርሕ ዝነበረት ክልተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት ዓባይ ታንከር ነዳዲ- ሺ ሎንግ ያንግ- ትርከበን።
ሑቲ ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ርክብ ኣለወን ዝብለን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ክገብር ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ገለ ካብተን መራኽብ ከም ዝጠሓላ’ውን ይዝከር።


















