ህንዲ፡ ምኒስተር ትምህርቲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምልቃቝ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ 'ድዱዕ' ደው ኢሉ
ምኒስተር ትምህርቲ ዳርመንድራ ፕራድሃን፡ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ፡ ንሓሙሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ሰፊሕ ተቓውሞ ህንዲ ድዱዕ -'ኮክርች'- ደው ኢሉ።
እቲ ሲጄፒ ብዝብል ኣሕፅሮተ ቃል፡ ኣብ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝውደብ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ካብ ስልጣን ምቃቕ ስጉምቲ ኣመልኪቱ፡ ‘ዓወት ንዲሞክራስያዊ' ዝበሎ ዀይኑ፡ ኣሽሓት ደገፍቲ ኣብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር- ደልሂ- ዝርከብ ቀንዲ ናይ ተቓውሞ ቦታ ዝኾነ ጃንታር ማንታር ይፅምብሉ ኣለዉ።
እቲ ብ ብሰብሰርሖ-ብልሒ ዝተፈጥረ ናይ ኦንላይን ወፍሪ- ሲጄፒ፡ ናይ ብሓቂ ትካላዊ ሰልፊ ዘይኮነስ፡ መናእእሰይ እታ ሃገር ቍጠዐኦምን ሕርቃኖምን ዘንፀባርቕሉ ፍኑው መድረኽ ህዝባዊ ተቓውሞ እዩ።
እቲ ተቓውሞ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ዝረአ ዘሎ መግለጺ ዝሓየለ ህዝባዊ ቁጥዐ ኰይኑ ኣሎ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ናብ ባይቶ ዝጓዓዙ ሰልፈኛታት ዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ስዒቡ ድማ፡ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ሰባት ኣለካላዊ ጉድኣት ዝበፅሖም ኰይኑ፡ እቲ ተቓውሞ ዝገደደ ናህሪ ወሲዅ ነይሩ።
ፕራድሃን፡ ኣብ ኤክስ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብቋንቋ ሂንዲ ኣብ ዘፍለጠሉ ጽሑፍ፡ "ባህጊ፣ ሕልምን ትፅቢታትን መንእሰያት ከምዘኽብር" ብምግላፅ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት "ብዝነበረ ፍጻመታት" ዝተሰመዖ ሓዘን ኣስፊሩ።
ዜና ምልቃቕ ስልጣን ፕራድሃን ኣብ ዝተበሰረሉ እዋን፡ ስምዒታዊ ዝኾነ ኣቢጂት ዲፕከ ዝተባህለ መስራቲ ሲጄፒ፡ ኣብቲ ኣብ ጃንታር ማንታር ዝነበረ መድረኽ "ገይርናዮ" ክብል ዓው ኢሉ ድምፁ ኣስሚዑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters


















